ኣህጉራዊ ዜና

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዓዲ ግራት ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍራሱ ብውሕዱ 14 እሱራት ከምዝሞቱን 35 ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለዉን ዘ ሪፖርተር ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሓደ ፖሊስ ክመውት እንከሎ ትሽዓተ ካልኦት ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ዝተኸተለ ምስግጋር ስልጣን ክትግበር ምኽኣሉ፣ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ተስፋ ሰላም’ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጽዎ ኣለዉ።

ኣስታት 250 ዝግመቱ ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ናብ ሰራዊት ሕበርት ኣፍሪቃ ማለት ኣሚሶም ከምዝሰለሙ ተገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ፣ ሓድሽ ኣቦ ወንበር መሪጹ።
ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሰልፊ ኢህወደግ ሓድሽ ኣቦ ወንበር ንምምራጽ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ተኪኡ ዘሎ ኣቶ ሃይለማርያን ደሳለኝ፣ ብምሉእ ድምጺ ከምዝመረጾ ኣፍሊጡ።