ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 08 September 2017

ONLF

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ካብ መጀመርያ 1980ታት ኣትሒዙ፣ ንዞባ ኦጋዴን ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ብረት ዝዓጠቐ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ሃግሓኦ) ከም ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝርእዮ ኣነጺሩ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘነጸረ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝሓዞ ሓደ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ናይቲ ግንባር ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ።

እቲ ዓብዲ ከሪን ሸኽ ሙሳ ዝተባህለ ኣባላ ማእከላይ ሽማግለን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሓላፊን ሃግሓኦ፣ ቤተሰቡ ንምርኣይ ኣብ ዞባ ጋል ማዱግ፣ ናብ እትርከብ ከተማ ጋልካዮ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብ23 ነሓሰ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተታሒዙ፣ ኣብ ሰሙኑ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበ ይዝከር።

Radio Erena: 08 September 2017

burma

ኣብ በርማ፣ ብሮሂንጅያ ኣብ ልዕሊ ዝፍለጡ ኣመንቲ ምስልምና ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም ምህላዉ ይቃላዕ ኣሎ።

እዚ ንልዕሊ 120 ሽሕ ኣመንቲ ምስልምና ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ከምዝስደዱ ጌሩ ዘሎ፣ ዘስካሕክሕ ቅትለትን ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብዘይዝኾነ ህጹጽ ግብረ መልሲ ይሓልፎ ምህላዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኹንኑ።

ን10ታት ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝነበረትን ተሸላሚት ስለማት ኖቤል ዝኾነትን ኣን ሳን ሱኪ ትመርሖ መንግስቲ በርማ፣ ብዛዕባ'ዚ ኣብታ ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ግፍዕታት፣ ሓሶት'ዩ ክብል ምግላጹ'ውን ነዛ ሓደ እዋን፣ ንሰብኣዊ መሰላት ብምጥባቓ ግኑን ስም ዝረኸበት ፖለቲከኛ ናብ ከቢድ ነቐፌታ ኣውዲቑዋ ኣሎ።

Radio Erena: 05 September 2017

teddy

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓደስቲ ደርፍታት ንዝሓዘት ሓዳስ ኣልቡም ናይቲ ብቴዲ ኣፍሮ ዝፍለጥ ህቡብ ድምጻዊ እታ ሃገር ቴድሮስ ካሳሁን ብወግዒ ከይዝርጋሕ ከምዝኸልከሎ ቢቢሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እታ 15 ደርፍታት ዝሓዘት ሓዳስ ኣልቡም ቴዲ ኣፍሮ ናብ ዕዳጋ ንኽትዝርጋሕ ወግዓዊ መመረቕታ ንኽግበረላ ኣብ ሓደ ሆቴል ምቅርራባት ምስ ተወድአ፣ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ብምምጻእ ነቲ መደብ ከምዝሰረዝዎ ወኪል ቢቢሲ ካብታ ሃገር ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ቴዲ ኣፍሮ፣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዛዕባ ምስራዝ እቲ መደብ ይኹን ምኽልካል እታ ኣልቡም ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህቦም ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

Radio Erena: 07 September 2017

 eth_corrupኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሓለፍቲን ነጋዶን ቁጽሪ 115 ከምዝበዝሐ ተሓቢሩ።
ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ነባራት ሓለፍቲ መጓዓዝያ ባሕሪ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሓለፍቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምእሳሮም፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 100 ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጻ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ ሰባት ምቕያድ ካብ ዝጀመረሉ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ዝተፈለያ ሃገራት ክሃድሙ ዝፈተኑ ሓለፍትን ነጋዶን'ውን ከምዝተታሕዙ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

Radio Erena: 03 September 2017

mircha kenyaላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ሰሪዙዎ።

ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ፣ ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ዓወት ኡሁሩ ኬንያታ እዩ ኣበሲሩ ኔሩ። እንተኾነ 4 ካብ ሽዱሽተ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ መስርሕ’ዩ ተኸቲሉ ብምባል ንውጽኢቱ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ከኣ ዳግማይ ምርጫ ክካየድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ዝኸውን ዘሎ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኬንያ ኣብ መስርሕ ምህናጽ ደሞክራሲ ዓቢ ለውጢ ኣርእያ ከምዘላ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣድናቖቶም ይገልጹ።