ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 03 August 2017

ethiopian parlamentፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ንዓርቢ 4 ነሓሰ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ብመንግስቲ መጸዋዕታ ቀሪብሉ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

ኣብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ዝጸንሑ ኣባላት ፓርላማ ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ ዝተጸውዕሉ ምኽንያት ዛጊት ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ነቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ንተወሳኺ ግዜ ንምንውሑ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ህጹጽ ናይ ፓርላማ ኣኼባ ክካይድ ዝጠልብ ዘሎ፣ ብጉዳይ ግብሪ ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልል ኦሮሞን ተቓውሞ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።

ብዘይካ'ዚ እቲ መንግስቲ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ'ዮም ዝበሎም ልዕሊ 45 ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ድሕሪ ምእሳሩ፣ ኣብ ኣባላት መንግስቲ ፍሕፈሐን ምትፍናንን ፈጢሩ ከምዘሎ'ዩ ዝጠቀስ።

Radio Erena: 03 August 2017

Mugabe 2

ናይ ዓለምና ዝሸምገለ መራሒ ሃገር፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ብቑዕ ጥዕና ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ 93 ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ፕረዚደንት፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንዕኡ ብምትካእ ንሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ወኪሉ ዝወዳደር ሕርጹይ ፖለቲከኛ ክረቑሕ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን'ዩ፣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፣ ብጉዳይ ጥዕና ሰለስተ እዋን ኣብ ሲንጋፖር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ድሕሪ ምምልላሱ፣ እቲ ፕረዚደንት ሃገር ክመርሕ ብቕዓት የብሉን እናተባህለ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን'ዩ፣ በዓልቲ ቤቱ እትርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ዝትክኦ ሰብ ባዕሉ ክሓሪ ዝጠልቡ ዘለው።

s_sudan military Radio Erena: 30 July 2017

  ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዓመጽ ይፍጽም ኣሎ ተባሂሉ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ክሲ፣ ሰበስልጣን ሰራዊት’ታ ሃገር ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቦምሉ።

     ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዘርገሖ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቀንስትዮ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ብኣባላት ሰራዊት ጾታዊ ዓመጽ ወሪዱወን ኣብ ስነኣእሙሮኣዊ ቅልውላው ከምዘለዋ ምግላጹ ይዝከር።

Radio Erena: 31 July 2017

arress

ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈ ቅነ ዝሰጎጎቶም ሰለስተ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታትን ተጣበቕትን፣ ኣብ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ካርቱም ተቐይዶም ምህላዎም ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣቃሊዑ።

እቶም ካብ 21 ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰለስተ ሱዳናውያን፣ ናብ ዓዶም ከይጥረዙ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሓታ እኳ እንተጸንሓ፣ ስዑዲ ዓረብ ነዚ ጻውዒት ብምንጻግ'ያ ብ11 ሓምለ ናብ ዓዶም ሰጕጓቶም።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ድሕሪ ምብጽሖም ብኡ ንብኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም ከምዝተኣስሩን ክሳብ እዚ እዋንዚ ደሃዮም ከምዘየለን ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይጠቅስ።

Radio Erena: 27 July 2017

arrest

ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ'ዮም ዝተባህሉ ልዕሊ 30 ሰበ ስልጣን መንግስትን ነጋዶን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻብ መሰረት፣ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ዝተኸሰሱ ሓያሎ ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ብሰሉስ 25 ሓምለ ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም ከምዘለዉ ኣረጋጊጻ።

እንተኾነ መንነቶምን ዝነበሮም ጽፍሕን ግና ኣይተሓበረን።