ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 05 February 2019

ፈረንሳ፣ ካብ ሊብያ ናብ ቻድ ዝሰገሩ ሽበራውያን'ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ዕጡቓት ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሰንበት 3 ለካቲት፣ 40 ፒክ-ኣፕ ዝዓይነተን መካይን ካብ ሊብያ ናብ ቻድ ድሕሪ ምስጋረን፣ ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዘዕነወን ጠቒሱ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሃራ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ሽበራውያን ጉጅለታት ንምቁጽጻር፣ ብባርካን ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ቻድ ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት፣ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ስደተኛታት ብምጭዋይ ዝእክብዎ ገንዘብ ኣብ ሽበራዊ ንጥፈታት ከምዘውዕልዎ'ዩ ዝግለጽ።

Radio Erena: 05 February 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ዳግም ተጎሃሂሩ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሽር፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ'ዩ።

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን እቲ ዞባ፣ ንሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝተኮስዎ ጠያይቲ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ኣለዉ።

ህዝቢ ዞባ ከሰላ፣ ሓድሽ ማዕበል ተቓውሞ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ዘጎሃሃረ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዞባ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፣ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ምስ ኤርትራ ከምዝተኸፍተ ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ።

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታትን ሕሰም መነባብሮን ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ህዝቢ ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣን ክወርድ እናጸውዐ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣቝጺሩ ይርከብ።

Radio Erena: 04 February 2019

ስዑዲ ዓረብ ብክሲ ብልሽውና ኣሲራቶም ካብ ዝጸንሐት ዜጋታት ሓደ ዝኾነ፣ ሸኽ መሓመድ ሑሰን ኣል ኣሙዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ፣ ዝነበሮ ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ሃብቲ፣ ብ9 ቢልዮን ከምዘንቆልቖለ ተሓቢሩ።

ኣብ ሃብቲ ውልቀሰባትን ትካላትን መጽናዕቲ ዘካየድ መጽሄት ፎርብስ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ብዘዋህለሎ ናይ 10.9 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ፣ ኣብ ዓለም ምስ ቀዳሞት 20 ዝስራዕ ዝነበረ ሸኽ ኣል ኣሙዲ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ውህሉል ሃብቱ ናብ 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣንቖልቝሉ፣ ደረጅኡ ድማ ናብ 159 ወሪዱ ይርከብ።

Radio Erena: 05 February 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭት ኣስታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተፈናቒሉ ከምዘሎ፣ ንኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን ብምጥቃስ ዩሮኒውስ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር፣ ኣተኩሮ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ለጥታት ጥራይ ብምድሃብ፣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣተኩሮ ከምዘይሃቦ ተገሊጹ።

Radio Erena: 03 February 2019

ብመንገዲ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣሻቒሉዎ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረጋጊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንባይቶ ሃገሩ ብሰሉስ 29 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ዶባቱ ብግቡእ እንተዘይተቖጻጺሩ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ኣፍሊጡ።