ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 11 January 2019

ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣብ ዝተኻየደ ኣካራኻሪ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ።

ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮንጎ ኮይኑ ዝተዓተወ ፈሊክስ ሸስኪዲ፣ ካብ ስልጣኑ ንዝተፋነወ ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ዘለዎ ኣኽብሮት ገሊጹ።

Radio Erena: 11 January 2019

ሑቲ፣ ብሰብ ኣልቦ በራሪ (ድሮን) ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰልፊ ዝነበሩ ብውሕዱ ሓሙሽተ ወትሃደራት መንግስቲ የመን ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ብሓሙስ 10 ታሕሳስ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣል ዓናድ ዝተኻየደ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሑቲ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን ንምቕታል ዝዓለመ'ዩ።

Radio Erena: 10 January 2019

ዚምባብዌ፣ መማህራንን ሓካይምን ናይ ናብራ ምምሕያሽ ብምጥላብ፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ካብ ሃራረ ሓቢረን።

ኣማኢት ሓካይም እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ንዝጀመርዎ ኣድማ'ዮም፣ መማህራን ኣብዚ ሰሙን'ዚ ተጸንቢሮሞ ዘለዉ።

Radio Erena: 10 January 2019

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶማል እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ።

ብሰሉስ 8 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ፣ 20 ሕጹያት ንውድድር ዝቐረብሉ ምርጫ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ሚኒስተር ውጥን ነበር ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒ፣ 66 መናብር ካብ ዘለዎ ኣባላት ባይቶ ፣ 35 ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ'ዩ ተዓዊቱ።

Radio Erena: 09 January 2019

ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ናይ ምንቅስቓስ መደባት ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ብ8 ጥሪ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ "ሰራዊት ካብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከይስሕብ ብህዝቢ ትግራይ ተዓጊቱ" ንዝብል መግለጺ ግጉይ ኣበሃህላ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ንዝዓጠቐ ክዓግት ዝኽእል ህዝቢ ከምዘየለ ኣረዲኡ።