ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 22 December 2017

US France

ፈረንሳን ኣመሪካን፣ ኣብ ጅቡቲ ገማግም ባሕሪ ዓርታ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ካብ 12 ክሳብ 21 ታሕሳስ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ክልትኤን ሃገራት ዝተሰነየ ኣስታት ሓድ ሽሕ ሰራዊት ተሳቲፉ።

ፈረንሳን ኣመሪካን በብወገነን ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ ልምምዳት ከምዘካይዳ ይፍለጥ።

እዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክልትኤን ሃገራት፣ ፈረንሳን ኣመሪካን ልዕሊ 200 ዓመት ንዘቑጸረ ምሕዝነትን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን መርኣያ'ዩ ክብሉ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልትኤን ሃገራት ኣረዲኦም።

Radio Erena: 21 December 2017

kharthuፋብሪካ መፍረ መድሃኒት ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ቅልውላው፣ ፍርያተን ደው የብላ ከምዘለዋ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ብዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ መጠን ሸርፊ ባጤራ እታ ሃገር ብመንጽር ናይ ወጻኢ፣ እናንቖልቖለ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራን ምንቁልቛል መጠን ሸርፍን ንምሕዋይ ሓያሎ ተበግሶታት እኳ እንተወሰደ ክዕወት ኣይከኣለን።

Radio Erena: 20 December 2017

Sudan UAE

ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘካየድኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዝተዛዘመ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ናይ ሓይልታት ምድርን ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ዘጠቓለለ ልምምድ፣ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን'ዩ ተኻይዱ።

እንተኾነ ብዝሒ ናይቲ ኣብ ሓባራዊ ልምምድ ተጸሚዱ ዝቐነየ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ኣይተሓበረን።

ዕላማ'ቲ፣ "ጀጋኑ ገማግም ባሕሪ ቁጽሪ 1” ዝተሰምየ ክሳብ 14 ታሕሳስ ዝተኻየደ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምድልዳልን ኣብ ሓባራዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕን ምዃኑ ኣዛዚ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ሱዳን ሉተናንት ጀነራል ሰዓድ መሓምድ ኣል ኣሚን ገሊጹ።

Radio Erena: 20 December 2017

Haile Desu

ብናይ ብሄር ምፍልላይ ኣብ ምትፍናን እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘላ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንዘመናት ዘቖጸረ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈታተን ግጭታት ተኸሲቱ ከምዘሎ ብምእማን፣ ጸጥታ እታ ሃገር ንምውሓስ ዝከኣሎ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ካብ 14 ክሳብ 17 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞ፣ ሶማል፣ ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ግጭታት ልዕሊ 100 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ምቑሳሎምን'ዩ።

Radio Erena: 17 December 2017

 gandurዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ ተባሂሉ ንዝወጸ ሓበሬታ፣ ሓቅነት የብሉን ክብል መንግስቲ ሱዳን ነጺጉዎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ምምሕዳር ዋሺንግተን ወጺኡ ዝተባህለ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ 2020 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር የብሉን ዝብል ይርከቦ።

እንተኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ምስ ጋዜጣ ኣልሸርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ኣመሪካ ስልጣን ፕረዚደንት ኣልበሽር ምስ ምምላስ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከምዘይተተሓሕዞ ገሊጹ።