ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 15 January 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽውዕ ብደረጃ ሃገር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከሰላ፣ ግና ብኣንጻሩ ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ኣሽሓት ነበርቲ ዞባ ከሰላ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሽር ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።

Radio Erena: 14 January 2019

ብኮሚሽነር ሙሳ ፋኪ መሃመት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቀጠር ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ትማሊ 13 ጥሪ ናብ ቀጠር ዝኣተወ እቲ ኮሚሽነር፣ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ክዘራረብ'ዩ።

Radio Erena: 13 January 2019

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ጎንደር ናይ ኢትዮጵያ ብዝተራእየ ምፍጣጥ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ኣድመኛታትን፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ተዓጽየን ከምዝቐነያ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እተን ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 9 ጥሪ ኣትሒዘን ኣብ ከተማ መተማ ደው ክብላ ዝተገብራ ነዳዲ ዝጸዓና ቦጣት፣ ካብ ሱዳን ነዳዲ ዘመላልሳ ኮይነን፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተላዕለ ግጭት ሓደጋ ከይወርደን ተባሂሉ ከምዝኾነ ሰበስልጣን ፐትሮልየም’ታ ሃገር ገሊጾም።

Radio Erena: 14 January 2019

ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ከምእትኽእል ተሓቢሩ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ፣ ሱዳን ሩስያን ዝበጽሖ ስምምዕ እማመ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘሎ ፓርላማ እታ ሃገር ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ'ዩ።

Radio Erena: 11 January 2019

ኣብ ሱዳን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብሓባር ተዋፊሮም ከምዘለዉ ሱዳን ትሪቡን ኣቃሊዑ።

ብዝሒ ናይቶም ካብ ናይ ብሕቲ ናይ ጸጥታ ትካላት ተዓሲቦም፣ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዘለዉ ሩስያውያንን ዘካይድዎ ዘለዎ ንጥፈታትን ብዝርዝር ኣይተሓበረን።