ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 17 January 2019

ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ ወጻእተኛታትን ሰብ ጸጋ ሃብቲን ኣብ ዘዘውትርዎ ሆቴል ብ14 ጥሪ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም።

      ብዘይካ'ዚ ሓያሎ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ኣብቲ ሆቴል ዝነበሩ ልዕሊ 700 ኣጋይሽ ናብ ውሕሱ ቦታ ከምዝተሰጋገሩ ተሓቢሩ።

Radio Erena: 17 January 2019

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ፈተነ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ፕረዚደንት ጋቦን፣ ዓሊ ቦንጎ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

      እቲ ፕረዚደንት፣ ንኣዋርሕ ሓሚሙ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ብሰሉስ 15 ጥሪ ናብ ዓዱ ተመሊሱ።

Radio Erena: 16 January 2019

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ መንጎ ሃገሩን ግብጽን ብዛዕባ ዝጸንሑ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ንምምይያጥ ሎሚ ሮቡዕ 16 ጥሪ ናብ ካይሮ ክኣቱ'ዩ።

እቶም መርሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ'ቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት በሽር፣ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ'ውን ክዝት'ዩ ዮም።

Radio Erena: 16 January 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ዝተኸስተ ወጥሪ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ከምዘይሃድአ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ክልል ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ናብ ክልል ትግራይን ማእከል ኢትዮጵያን ዝወስድ መንገዲ፣ ንክልተ መዓልታት ተዓጊቱ ከምዝጸንሐ 'ዩ ዝሕበር።

Radio Erena: 15 January 2019

እስራኤልን ርዋንዳን፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ፣ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምራ ምዃነን ተሓቢሩ።

ክልትኤን ሃገራት ብ7 ጥሪ ድሕሪ ዝኸተምኦ ስምምዕ፣ መንገዲ ኣየር ርዋንዳ፣ ካብን ናብን ኪጋሊ-ቴልኣቪቭ፣ መዓልታዊ ስሩዕ በረራታት ከተካይድ ምዃና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣረጋጊጻ።