ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 10 April 2018

kenya

ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘዋስኖ፣ 700 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ንምሕጻር ዝጀመሮ መደብ ከም ዘቋረጾ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ሶማላዊ ጉጅለ ሽበራ ኣልሸባብ፣ዶብ ኬንያ እናሰገረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፣ መንግስቲ ኬንያ ቅድሚ ነቲ ዶባት ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ክሓጽሮ ከምዝወሰነ ይዝከር።

ተሃኒጹ ዘሎ ገለ ክፋል ሓጹር፣ ካብ ሓደጋታት ኣልሸባብ ተዛማዲ ዕረፍቲ ሂብዎም ከምዘሎ ነበርቲ ኣብ ዶባ ናይ እትርከብ ከተማ ማንዴራ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም።

Radio Erena: 10 April 2018

us djibouti

ኣብ ጅቡቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ክልተ ተኸታተልቲ ሓደጋ ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ልምምድ ካብ ሰኑይ 10 ሚያዝያ ኣትሒዙ ከምዝቐጸለ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ንCNN ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ልምምድ፣ መንግስቲ ጁቡቲ ብዘቕረቦ ጻውዒት ደው ኢሉ ከምዝጸንሐ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ግና ዳግም ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ ዝርከብ ኣስታት 4 ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ Alligator Dagger ዝተሰምየ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ምክያድ'ዩ ዝርከብ።

Radio Erena: 08 April 2018

helicopter crushedኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ እተካዪዶ ናይ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ንጥፈታት ንግዚኡ ደው ከተብሎ መንግስቲ’ታ ሃገር ጸዊዑ።

መንግስቲ ጂቡቲ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ምስ ነፈርቲ ኲናት ዝተተሓሓዘ ክልተ ሓደጋታት ብምፍጻሙ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነው ዜና የረድእ።

ከምዝዝከር AV-8B Harrier ዝዓይነታ ዝተራቐቐት ነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ብሰሉስ 3 ሚያዝያ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምቦሊ ናይ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይበረረት ወዲቓ’ያ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሲ.ኤች-53 ዝዓይነታ ካልእ ሄሊኮፕተር ብዘጋጠማ ተክኒካዊ ጸገም ከምእትዓልብ’ኳ እንተተገብረ ሓደ ካብቶም ኣብረታ ክቖስል እንከሎ፣ ክልተ ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ከኣ ከምዝቖሰሉ ወተሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

Radio Erena: 08 April 2018

ghandur ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝተኻየደ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ።

ኣልጀዚራ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ዘተ ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት ንኣስታት 13 ሰዓታት ከምዝጸንሐ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ ከምዝተበተነ ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን መስኖኣዊ ሕርሻን፣ ሓለፍቲ ጸጥታ ከምኡ’ውን ኣብቲ ሞያ ዝነጥፉ መሃድሳት ሰለስቲኤን ሃገራት ከምዝተሳተፉ ካብ ሱዳን ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋግጽ።

ኢትዮጵያ ንእትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ፈረንሳውያን ክኢላታት ንዘቕረቡዎ መጽናዕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ድሕሪ ምቕባለን፣ ግብጺ ብዘይምስምማዓ ተቛሪጹ’ዩ ጸኒሑ።

Radio Erena: 06 April 2018

ethiopia dam

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተደናጉዩ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ናይል ኣብዚ ሰሙን'ዚ ከምዝጀመረ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሕመድ ኣቡ ዘይድ ገሊጹ።

ንሱ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ብዛዕባ'ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጸ ዘላ ዲጋን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታትን ብዝምልከት ዝተጀመረ ዘተ ንምቕጻሉ ብሮቡዕ 4 ሚያዝያ ናብ ካርቱም ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሓለፍቲ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን'ውን ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ።

እቲ ርክብ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ተቓውሞታትን ናዕብን፣ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለዝጸንሐ'ዩ ንክልተ ወርሒ ተደናጉ'ዩ።