ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 15 April 2018

amisonሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቁጽሪ ናይቲ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ዝጎድለሉ መደብ ከምዝሓንጸጸ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ትማሊ ቀዳም 14 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ብመሰረት ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2017 ዝኣተዎ መብጽዓ፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ቁጽሩ በብቁሩብ እንዳጉደለ ንሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማልያ ከረክብ ንዝብል ስምምዕ ተግባራውነቱ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ተመሳሳሊ ፈተነ ተኻዪዱ’ኳ እንተነበረ፣ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል ብግቡእ ስለዘይቆማን፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ውሕስነት ሰላም ክህባ ብዘይምኽኣለንን፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ህላዌ ክናዋሕ ከምዝተገብረ ይዝከር።

Radio Erena: 13 April 2018

UAE Sudan

ብሚኒስተር ጸዓት ሱሀይል ኣል ማዝሩኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ሰለስተ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ምትሕግጋዝ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፣ ምስቲ ልኡኽ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ዝምድና ሃገሩን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዝልዓለ ደረጅኡ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቐዲማ፣ ንቁጠባ ሱዳን ንምብርባር 1.4 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከምዘሰጋገረት ይዝከር።

Radio Erena: 12 April 2018

bashirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ብሰሉስ 10 ሚያዝያ ከምዝኣዘዘ ንቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

እቶም ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክፍትሑ ተወሲንሎም ዘሎ እሱራት፣ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ባንን ካልእ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ህዝቢ ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ'ዮም።

ፕረዚደንት ኣልበሺር ኣቐዲሙ'ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ መራሕቲ ውድባትን ተቓውሞታትን ግና ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ከይተፈትሑ'ዮም ጸኒሖም።

Radio Erena: 12 April 2018

ethio_usባይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኹንን ውሳኔ ከምዘጽደቖ ተሓቢሩ።

እቲ ብውሳኔ ገዛ 128 ዝፍለጥ ሰነድ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጽኒዕዎ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከልዕሎ ኣብ ርእሲ ምጽዋዕ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጎነጽ ደው ከብሉን እሱራት ክፍትሑን ዝጽውዕ'ዩ።

እቲ ካብ 32 ግዝኣታት ኣመሪካ፣ ካብ ክልትኤን ሰለፍታት ዝተወከሉ 108 ኣባላት ባይቶ ደገፍ ዝረኸበ ውሳኔ፣ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር'ውን ጎነጽ ደው ብምባል ጉዳያቶም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሑ ኣተሓሳሲቡ።

Radio Erena: 12 April 2018

somali airportኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተላእከ ምዃኑ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ገንዘብ፣ ንስልጠና ሰራዊት ሶማል ዝተላእከ ምንባሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝጸንሑ ሓይልታት ጸጥታ ሶማል፣ ነቲ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተላእከ ገንዘብ ምህጋሮምን ንኣባላት ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምክልባቶምን ኮኒኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብዛዕባ መግለጺ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ።

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ሶማል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝተፈተነ 9.6 ሚልዮን ዶላር፣ ብ8 ሚያዝያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ከምዝተታሕዘ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማል ኣቐዲሙ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ከምዘሎ ጠቒሱ'ዩ።