ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 19 April 2018

sudanese soldiersሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ የመን ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ብዘካይድዎ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ 10ታት ወትሃደራት ከምዝቐተሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንወትሃደራውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ 2015 ናብ የመን ካብ ዝዋፈር ዝኸበደ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከምዘብጽሓሉ እቲ ምንጪ ይጠቅስ።

ሑቲ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ የመን፣ ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ተሰሊፉ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ከቢድ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ ከምዝበጽሖ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ ሱዳን ደቁ ካብ የመን ክስሕቡ ንመንግስቲ ሱዳን ጸቕጢ ክገብረሉ ጸዊዑ።

Radio Erena: 19 April 2018

zimb nursesመንግስቲ ዚምባብዌ፣ 16 ሽሕ ተሓጋገዝቲ ሓካይም ወይ ነርሳት ካብ ስርሕ ከምዝሰጎገ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ስርሖም ተሰጕጎም ዘለዉ ነርሳት፣ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ዝጸንሑ'ዮም።

እቲ መንግስቲ ብማዕከን ዜናኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ንወሰኽ ደሞዝን ኣበልን ዝኸውን 17 ሚልዮን ዶላር ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዘሰጋገረ እኳ እንተጠቐሰ፣ እቶም ተሓጋገዝቲ ሓካይም ናብ ስርሖም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ክሰጎም ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

ነዞም ሰሉስ 18 ሚያዝያ ካብ ስርሖም ተሰጕጎም ዘለው ነርሳት ንምትካእ፣ ሓደስቲ ተሓጋገዝቲ ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ክቖጽር ምዃኑ'ውን እቲ መንግስቲ ኣገንዚቡ።

Radio Erena: 17 April 2018

somal

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሶማል እትገብሮ ዝነበረት ወትሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ስልጠና ዘተኮረ ወትሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለት ትገልጽ ዘላ፣ ክልትኤን ሃገራት ብጉዳይ እቲ ኣብ ሚያዝያ 8 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ እዋን'ዩ።

መንግስቲ ሶማል እቲ ብፍልይቲ ነፋሪት ተላኢኹ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተታሕዘ ገንዘብ ናብ መንን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተመደበ ዘይተፈልጠ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብሎ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ ንስልጠና ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ዝተላእከ'ዩ 'ያ ትምጉት ዘላ።

Radio Erena: 17 April 2018

Arab league

መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብ15 ሚያዝያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ድሃህራን ተኻይዱ።

እዚ መራሕቲ 16 ሃገራት ዓረብ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳያት ፍልስጤም፣ ሶርያ፣ ሊብያን ብምትኳር ዘትዩ።

ኣብ ዞባ ወሽመጥ ብዘሎ ምስሕሓብን ካልእ ዝተፈላለየ ጉዳያትን፣ ኣብዚ ዋዕላ መራሕቲ ቀጠር እትርከበን ሽዱሽተ ኣባላት ሃገራት ኣይተሳተፉን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ጉዳይ'ቲ ምስ ቀጠር ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ከምዘይልዓል'ውን ኣቐዲሙ መግለጺ ተዋሂብሉ እዩ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣኼብኡ ዘካየድ ዘሎ፣ ኣመሪካ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያደን'ዩ።

Radio Erena: 15 April 2018

sudanese consመንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፣ ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝምዘዝ ኮሚቴ ከቕውም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ዜና ሱዳን ኣሕመድ ቢላል ዑስማን ብዓርቢ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝምዘዝ ኮሚቴ ኣብ ቀዳማይ ኣኼብኡ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክራኸብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራትን፣ ዘተ ሰላም ምስ ተቓወምቲ ዳርፉርን፣ ነቲ ሰላም ንምምጻእን ቅዋማዊ ምምሕዳር ንምስፋንን ዝግበር ጻዕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።