ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 30 March 2018

sisi

ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ከምዝተዓወተ ይንገር ኣሎ።

ውጽኢት ናይቲ ካብ 26 ክሳብ 28 መጋቢት ዝተኻየደ ምርጫ ብወግዒ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ዘይወግዓዊ ድምር ናይቲ ዝተወሃበ ድምጺ ከምዝእንፍቶ ዘሎ ግና ፕረዚደንት ሲሲ ተዓዊቱ ኣሎ።

ኣብቲ ድምጹ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ ዜጋ 28 ዶላር ክቕጻዕ ምዃኑ ዝተኣወጀሉ፣ ንዜጋታት ግብጺ ብግዴታ ዘሳተፈ ሃገራዊ ምርጫ፣ 40% ወይ 24 ሚልዮን ካብቲ ከድምጽ ዝግብኦ ህዝቢ ከምዝተሳተፈ ተሓቢሩ።

Radio Erena: 29 March 2018

 kasala mosque attackኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፣ ከተማ ከሰላ፣ መንነቱ ዘይተነጸረ ሰብ ብሰሉስ 27 መጋቢት፣ ኣብ መስጊድ ብዝፈጸሞ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ ንፖሊስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከሰላ ያሒ ሱለይማን ብዝሃቦ ጸብጻብ፣ ካራ ዝሓዘ ሰብ ናብቲ መስጊድ ብምእታው፣ ኣብ ጸሎት ንዝነበሩ ሰባት ክሰምዕዎ ዓው ኢሉ ከምዝጨደረ ይጠቅስ።

እንተኾነ ዝሰምዖ ሰብ ስለዝሰኣነ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንዝረኸቦ ብኻራ ክወግእ ከምዝጀመረ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ ሓያሎ ከኣ ድሕሪ ምቑሳሉ ግና ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ሰባት ብእኩብ ጨፍጪፎም ቀቲሎሞ።

Radio Erena: 27 March 2018

sudan qatar

ብሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ጃስም ቢን ሰይፍ ሲላይቲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቀጠር፣ ብሰንበት 25 መጋቢት ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ካብ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ዝተላእከ ደብዳቤ ንፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣረኪቡ።

ንሱ ምስ ፕረዚደንት በሽርን ሚኒስተር መጓዓዝያ ሱዳን ማካዊ መሓመድ ኣል ዓዋድን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ሱዳን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣብ መንጎ'ዘን ክልተ ሃገራት ክካየድ ተመዲቡ ብዛዕባ ዘሎ ምትሕግጋዝ ብሰፊሑ ተመያይጡ።

Radio Erena: 29 March 2018

abiy ahmeኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ከካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐ ጽዑቕ ኣኼባ፣ ንዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ ኣቦ መንበሩ ክኸውን መሪጽዎ።

ዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ፣ ኣቐዲሙ ኣቦ መንበር ናይቲ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መላፍንቲ ኢህወደግ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኦሮሞ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ዝዝከር'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣቦ መንበር ኢህወደግን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብታ ሃገር ንተኸታታሊ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ናዕብን ተቓውሞን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክሰናበት ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

Radio Erena: 27 March 2018

ethiopia

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ተቓውሞታት ብምሕረት ካብ ዝፈትሖም ጋዜጠኛታት ብሰንበት 25 መጋቢት ደጊሙ ከምዝኣሰሮም ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እቶም ፖለቲከኛታት'ውን ዝርከብዎም ብውሕዱ 15 ሰባት፣ ደጊሞም ዝተኣስርሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ተኣዊጁ ንዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ብምጥሓስ፣ ኣኼባ ኣካይድኩም ዝብል ምዃኑ ይጥቀስ።

እቶም እስክንድር ነጋን ተመስገን ደሳለኝን ዝርከብዎም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ ግብጃ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተወስዱ'ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ጸብጻባት የረድእ።