ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 17 May 2018

sisiፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍን ወዲብኩምን ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣስሮም ንዝጸንሑ 330 ዜጋታት እታ ሃገር ብምሕረት ክፍትሑ ከምዝኣዘዘ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

ንሱ፣ ብምኽንያት'ቲ ትማሊ ሮቡዕ 16 ግንቦት ኣብ ካይሮ ዝተኸፍተ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቶም በብእዋኑ ዝተኣስሩ መብዛሕቶም መንእሰያት ክፍትሑ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

Radio Erena: 15 May 2018

beshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ምቅይያር ከምዝገበረ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ በብእዋኑ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ክኣሊ እኳ እንተጸንሐ፣ እዚ ትማሊ ሰኑይ 14 ግንቦት ዝተኻየደ ምቅይያር ግና ብውሕዱ ን15 ሚኒስተራት 10 ኣመሓደርትን ዝጸለወ'ዩ።

ፕረዚደንት በሽር ነዚ ምቅይያራት ናይ ሰበ ስልጣን ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣብ ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ።

Radio Erena: 15 May 2018

saudi soldieres

ስዑዲ ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብታ ንቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን እተራኽብ ስትራቴጅያዊት ደሴት ሶኮትራ ከምዘዋፈረት ኣፈኛ ናይቲ ናይ ሃገራት ዓረብ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ቱርኪ ኣል ማሊክ ሓቢሩ።

ስዑዲ ናብታ ደሴት ሰራዊታ እተዋፍር ዘላ ምስ መንግስቲ የመን ብምርድዳእ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ኣፈኛ፣ ዕላምኡ ምስ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ሓባራዊ ልምምድ ንምክያድ'ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ የመን ናብታ ደሴት ሰራዊታ ብምውፋራ፣ መንግስቲ የመን ወራር ከምዝፈጸመት'ዩ ክወቅስ ጸኒሑ።

Radio Erena: 15 May 2018

Amir Watar and Somali President

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዘካየደ ማዕከን ዜና ጋልፍ ታይምስ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀጠር ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብምርኻብ ኣብ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክልትኤን ሃገራት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዱ።

ንሱ ናብ ቀጠር ዑደት ምክያዱ፣ ነታ ምስ ሶማል ዝምድንኣ ኣብ ምልሕላሕ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ከቖጥዐን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

Radio Erena: 13 May 2018

usc on ssudanባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ጸኒዑ ንዘሎ ማዕቀብ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ጸጥታ ብሰሉስ ሸሞንተ ግንቦት ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፣ ‘ንሰላም ኣስጋእቲ’ ዝበሎም ውልቀ ሰባትን ትካላትን ደቡብ ሱዳን፣ ምድራት ምንቅስቓስን፣ ምእጋድ ንብረትን፣ ዝኣመሰሉ ማዕቀብ ከምዘለዎ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ተሰማሚዑ።

ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምስፋን ዝኾነ ድሌት ከምዘይብሎም ዝጠቐሰ ባይቶ ጸጥታ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ተወሳኺ ጸቕጥታት ክገብር ተማሕጺኑ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2015 ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፣ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ገበናት ኲናትን ካልእን ክስታት ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ወተሃደራውያን መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ማዕቀብ ምንባሩ ይዝከር።