ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 25 January 2019

ሱዳንን ዮርዳኖስን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዝዘተያ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ዝዘተያ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዮርዳኖስ፣ ጀነራል ማሕሙድ ፍረይሓት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ብሮቡዕ 23 ጥሪ ናብ ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን'ዩ።

Radio Erena: 24 January 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ቀጠር ዘምርሐ፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕብታት እታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣብ ዘቑጸረሉ እዋን'ዩ።

Radio Erena: 23 January 2019

ብሪጣንያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ፣ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ከምእትኽእል ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ፣ ጋቪን ዊልያምሶን፣ ኣብ ፈለማ ዕለታት ናይዚ ወርሒ'ዚ፣ ምስ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ቢሒ፣ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ።

Radio Erena: 24 January 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምእሳር ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢህወደግን ነበር ይቕጽል ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢህወደግ ነበር ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

Radio Erena: 22 January 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ካብ ሎሚ 22 ክሳብ 25 ጥሪ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም (World Economic Forum) ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብዚ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት፣ ጸለውቲ ሰብ ዋኒንን ኣውፈርትን ዓለምና ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝተገብረሉ፣ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም፣ ኣብ ግሎባላውነት፣ ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ባጤራ፣ ምሕደራ፣ ፊናንስን ቁጠባን ዓለምና ክዝቲ'ዩ።