ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 28 January 2019

ኣንጻሩ ህዝባዊ ናዕቢ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ትማሊ ሰንበት 27 ጥሪ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ ቀጠር ዝፈጸሞ ተመሳሳሊ ዑደት'ዩ።

Radio Erena: 28 January 2019

መንግስቲ ህንዲ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ማዳልያ ከምዝሸለሞ ማዕከናት ዜና ህንዲ ሓቢረን።

እቲ "ፓዳማ ቪብሁሻን" ዝተሰምየ፣ ኣብ ረብሓ ህንዲ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ በርጌስ ዝወሃብ፣ ሽልማት፣ ኣብዚ ዓመት'ዚ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ዝሃበሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ ሃገሩን ህንዲን እናሰፍሐ ንዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ኣብ ምዕባይ ብዝገበሮ ጻዕሪ'ዩ።

Radio Erena: 27 January 2019

ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ ድሕሪ ምውራድ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝምስረት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ቻርተር ኣጽዲቐን።

እቲ ‘ቻርተር ለውጥን ናጽነትን’ ዝተሰምየ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝተሓንጸጸ መደብ፣ ውሕስነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ትግባረ ቁጠባዊ ልምዓት፣ ምብታን መንግስቲ ኣልበሽር ዝርከቦም ሓያሎ ነጥብታት ዘጠቓለለ እዩ።

Radio Erena: 27 January 2019

ኣብ ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ናዕቢ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

ብዕለት 21 ጥሪ ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ እዋን ዝጀመረ እዚ ዳሕረዋይ እብረ ግጭት ሓድሕድ፣ ብተራ ባእሲ መንእሰያት ጀሚሩ፣ ናብ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ከምዝተሰጋገረ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ።

Radio Erena: 25 January 2019

ኢትዮጵያ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ካብ እትልእኮ ሰደድ ክትረኽቦ ዝወጠነት ኣታዊ ብ38% ከምዝጎደለ ተሓቢሩ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፣ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰደድ 1.96 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ መዲቡ እኳ እንተነበረ፣ 62% ናይዚ ጥራይ ኣታዊ ከምዝገበረ ኣገንዚበን።