ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 03 February 2019

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሶማል እተካዪዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብዝለዓለ ናህሪ ትቕጽሎ ኣላ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ካብ ከተማ ሞቓድሾ 45 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዓዲ ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ 24 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ፣ ወተሃደራዊ እዚ ‘ኣፍሪኮም’ ሓቢሩ።

Radio Erena: 01 February 2019

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽሪ ከምዘላ መግለጺ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰሉስ 29 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምውሓስ ጸጥታን ድሕነትን ሱዳን ማለት ምሕላው ጸጥታን ድሕነትን ስዑዲ ዓረብ'ዩ ንዝብል መርገጺ ንጉስ ሳልማን ኣድኒቑ።

Radio Erena: 30 January 2019

መንግስቲ የመንን ሑቲን፣ ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ከይፈርስ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ዝፈቅድ'ዩ ኔሩ።

Radio Erena: 31 January 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ ቫልተር ስተይንሚየር፣ ብሰንኪ ምብልሻው ነፋሪት ዑደት ከምዝተናውሐ ተፈሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደቱ ዛዚሙ፣ ብሮቡዕ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተበገሰሉ፣ ነፋሪት ቴክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠማ፣ ናብ ሆቴሉ ክምለስ ከምዝተገደደ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣረጋጊጸን።

Radio Erena: 30 January 2019

ብዝቕባበን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ዚምባብዌ፣ ካብ 1 ለካቲት ጀሚሩ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ ፈቒዳ።

እታ ሃገር፣ ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዙ ካብ ዕዳጋ ተኣልዩ ንዝጸንሐ ባጤራኣ ንምብርባሩ ካብ 2017 ሓዲሽ ባጤራ ኣሕቲማ እኳ እንተዘርግሐት፣ ካልኣይ ዓመቱ ከይመልኣ'ዩ ዕዳጋ ምጽዋር ስኢኑ።