ኣህጉራዊ ዜና

Radio Erena: 14 February 2019

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣዋፊርዎ ዝርከብ ብዝሒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከጉድል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ'ዚ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕቡ'ዮም።

እዚ ናይ ምስሓብ መደብ ናብ ግብሪ ዝሰጋገር ዘሎ፣ ላዕለዎት ኣዘንዝቲ ሰራዊት ናይቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት፣ ኣብ ሞቛድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምዝርራብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ እማመ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊቱ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን፣ ጠቕሊሉ ብምውጻእ፣ ምውሓስ ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ክሰጋገር'ዩ ዝጠልብ።

Radio Erena: 12 February 2019

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጅቡትን ግብጺን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዱ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ነዚ ዘተ ዘካየዱ ጎኒ ጎኒ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ'ዮም።

ጅቡቲ፣ ኣብ ሎጂስቲክ ናጻ ዞባ ዘገልግል ሓደ ትርብዒት ኪሎሚተር ንግብጺ ክትህባ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣቐዲመን ኣብ ስምምዕ በጺሐን'የን።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ግብጺ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ።

Radio Erena: 10 February 2019

መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብዕለት 7 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

እዚ ብዋዕላ ወከልቲ ኣባል ሃገራት ጀሚሩ ኣብ ዕለት 10ን 11ን ብመራሕቲ ሃገራት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓመታዊ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝያዳ ኣተኩሮ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ፣ እቶም 26 ሚእታዊት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም። ዩጋንዳ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከኣ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ‘ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ወጻኢ ረዲኤት ከይተጸበያ፣ ውሽጣዊ ጉዳያተን ባዕለን ክፈትሓሉ ዝኽእላ ሜላታት ዝሕንጽጻሉ እዋን ሕጂ’ዩ ክብሉ ለበዋታቶም የቕርቡ’ለዉ።

Radio Erena: 10 February 2019

ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን፣ ኩሎም ሓይልታት ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ኣልበሽር ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ንሓለፍቲ ስለያን ጸጥታን’ታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ሱዳን ፕረዚደንት ዝቕየር ብሕጋዊ ምርጫ ጥራይ እዩ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፣ ሓይልታት ሰራዊት ኮኑ ኣባላት ጸጥታ ኣንጻር ኣልበሽር ዝካየድ ዘሎ ኣድማታት ደው ክብል ጻዕርታት ከካዪዱ ጸዊዑ።

ሳላሕ ዓብደላ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ምዕራባውያን ሃገራት፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብሰላም ስልጣኑ ገዲፉ፣ ንሱ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ክኸውን’ዩ ዝብል ዜና ኣመሓላሊፈን ዝብል ወረ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ይውረ ኣብዘለወሉ እዋን’ዩ።

Radio Erena: 06 February 2019

ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ብሰኑይ 4 ለካቲት፣ ኣብ ዕሙር ንግዳዊ ማእከል ዝተኻየደ መጥቓዕቲ፣ ኣብ መኪና ቦምብ ብምጽዋድ'ዩ ተፈጺሙ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም ከምዘለው ዘረጋገጸ ፖሊስ ከተማ ሞቛድሾ፣ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ነዚ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ ኢትዮጵያዊ ጀነራል፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ካብ ዝምዝዝ ኣብ ሓጺር መዓልታት'ዩ።