ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 21 February 2019

ሑቲን ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመንን፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ክስሕቡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

እቲ ስምምዕ ብ17 ለካቲት ከምዝበጽሑ ዘረጋገጸ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰራዊት ክልትኦም ወገናት ካብታ ወደብ እንተስሒቦም፣ ህጹጽ ናይ መግቢን መድሃኒት ረዲኤት ንምእታው ተዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖዴይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ፣ ሑቲን መንግስቲ የመንን ኣብ ምወዳእታ 2018 ኣብ ሽወደን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ተሰማሚዖም'ዮም።

ይኹን'ምበር እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ፣ ሓደ ነቲ ሓደ እናተወቓወሱ፣ ግጭት ክቕጽሉ ጸኒሖም።

 Radio Erena: 21 February 2019

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጅቡቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ትማሊ ሮቡዕ 20 ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሶማልን ብምትኳር ተመያይጦም።

ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቝፈ ሰራዊት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝስሕበሉ ኩነታት ኣልዒሎም።

ጅቡቲ፣ ኣብ ትሕቲ ዕቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ 2 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ትርከብ።

Radio Erena: 20 February 2019

ካብ ማልታ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዙ ክወጽእ ዝነቐለ ኤርትራዉ ልዕሊ 3 ሽሕ ዶላር ከምዝተቀጽዐ ማዕከን ዜና ማልታ ቱደይ ኣፍሊጡ።

ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተባህለ ወዲ 42 ዓመት ኤርትራዊ፣ ናብ ሱዳን ኣብ ዝተበገሰሉ፣ ሕጋዊ ፍቓድ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ማልታ ዘይብሉ 10 502 ዶላር ሒዙ ብመዓርፎ ነፈርቲ ክወጻጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን'ዩ ከምዝተታሕዘ'ዩ እቲ ማዐናት ዜና ኣብ ናይ ዝሓለአ ሰሙን ጸብጻቡ ገሊጹ።

ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ተጻርዩ ድማ፣ እቲ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ 3 127 ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ተበይንዎ።

ብመሰረት ሕጊ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ገያሹ፣ ንምእታው ይኹን ንምውጻእ ሕጋዊ ፍቓድ ክፍሊ ውሽጣዊ ሃገር የድልዮም።

Radio Erena: 21 February 2019

ቀጠር ኣብ ሶማል ዝርከቡ ስትራቴጅያውያን ጽርግያታት ንምጽጋን ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ከምዝመወለት ተገሊጹ።

ንከተማ ሞቛድሾ ናብ ክልተ ዓበይቲ ዞባታት እታ ሃገር ዘራኽብ ጽርግያታት ንምጽጋን፣ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ 2017 ተበጺሑ እኳ እንተነበረ፣ ናብ ትግባረ ከይተሰጋገረ'ዩ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ነዚ ቀጠር ወሲዳቶ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስጉምቲ ዘለዎ ምስግና ገሊጹ።

እቲ ስትራቴጅያውያን ጽርግያታት ሶማል ናይ ምጽጋንን ብቕጥራን ናይ ምልባጥን ፕሮጀክት፣ ንናይ ቱርኪ ኩባንያታት ተዋሂቡ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ወሽመጥ የመልክታ።

Radio Erena: 20 February 2019

ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ከምዝኽእል፣ ፖለቲከኛታት ክልቲኤን ሃገራት ይገልጹ።

ምትፍናን ክልቲኤን ሃገራት ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ብኢሱ ዘሎ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ዋንነት ኬንያ ኣብ ዝኾነ ክሊ ማይ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ዕደና ጋዝን ነዳዲን ዳህሳስ ከካይዳ ፈቒዱ ክብል ዝኸስስ ዘሎ መንግስቲ ኬንያ፣ ንኣምባሳደር ሶማል ካብ ሃገሩ ብምስጓግ ኣብ ሞቛድሾ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ድሕሪ ምስሓቡ'ዩ።

እቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ዘሰሓሕብ ዘሎ ክሊ ማይ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ክወሃቦ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ይኹን'ምበር፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኣስታት 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ቦታ፣ ሉኣላዊ ክፋል ሃገሩ ምዃኑ ብምጥቃስ መንግስቲ ሶማል ኣብቲ ከባቢ ዘካይዶ ዘሎ ምትእትታው ብትሪ ኮኒኑ።