Welcome to Radio Erena!
ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ብዛዕባ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ
Radio Erena: 14 February 2019
ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብዛዕቲ ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ብዝምልክተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።
ንሱ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ምስ ኤርትራ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝጸንሐ ምውጣጥ ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝወሰዶ ተበግሶ ድሕሪ ምምጓስ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ጅዳ ንክራኸቡ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ንኢዱ።
ኣብቲ ናይ ጅዳ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ምስ ጅቡቲ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዘሎ ቃል ስለዝተወ፣ ብወገና'ውን ድሉዋት ኣሎና ዝበለ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ክልትኤም መራሕቲ ክራኸቡ መደብ ከምዘሎ'ውን ኣተንቢሁ።
ደረፍቲን ሳዕሳዕትን ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ
Radio Erena: 14 February 2019
ደረፍቲ፣ ሳዕሳዕትን ተላሃይትን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማስን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።
እቲ ሎሚ14 ለካቲት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ፣ ገዲም ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ዝርከቦም፣ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንህዝቢ ምርኢት ከቕርብ'ዩ።
ይኹን'ምበር እቲ ብስም "ጽምብል ሰላም" ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘሎ ልኡኽ ህግደፍ፣ ኣብቲ ብቋንቋን ባህልን ዝመሳሰሎ ህዝቢ ክልል ትግራይ፣ ምርኢት ከምዘየቕርብ ተፈሊጡ ኣሎ።
"መን ይፈልጥ? ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን።" ለማ መገርሳ
Radio Erena: 14 February 2019
ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ብምኽንያት ጽምብል መበል ሻውዓት ምልኻል ሃገር፣ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ "መን ይፈልጥ ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን ክብል ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ኣቶ ለማ መገርሳ፣ "ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፣ ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ የድልያ ኣሎ?” ንዝብል ካብ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሕቶ፣ ኣብ ዝሃቦ መልሲ'ዩ ነዚ ገሊጹ።
ንሱ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምውናን ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ኣየድልን። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን፣ ሓይሊ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዝህልወና ጽቡቕ'ዩ። ምናልባት'ውን መን ይፈልጥ ንመጻኢ ይህልወና ይኸውን ክብል'ዩ መሊሱ።
ኤርትራ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ
Radio Erena: 14 February 2019
ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 15 ክሳብ 25 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ከምዝቐረበላ ጋዜጣ ለ'ኢኵፕ ኣፍሊጣ።
ኤርትራ፣ ኣብዚ ምስ ዙር ፈረንሳ ተመሳሳልነት ዘለዎ ቅድድም ክትሳተፍ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ዝቐረበላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ፣ ዙር ለ'ኤስፕዋኽ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም፣ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ቅድድም ብኽሽክለታ ኤርትራ፣ ተዓዋቲት ብምዃና'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ተዓዋቲት ናይቲ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዙር ኣሚሳ ቦንጎን፣ ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ትሕቲ 23 ዓመት ዙር ለ'ኤስፕዋኽን ዝኾነት ርዋንዳ፣ ኣብዚ ናይ ፈረንሳ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ናይ ክብሪ ዕድምቲ ኮይና ምውድዳራ ኣይርሳዕን።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊቱ ከጉድል'ዩ
Radio Erena: 14 February 2019
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣዋፊርዎ ዝርከብ ብዝሒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከጉድል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ'ዚ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕቡ'ዮም።
እዚ ናይ ምስሓብ መደብ ናብ ግብሪ ዝሰጋገር ዘሎ፣ ላዕለዎት ኣዘንዝቲ ሰራዊት ናይቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት፣ ኣብ ሞቛድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምዝርራብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ እማመ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊቱ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን፣ ጠቕሊሉ ብምውጻእ፣ ምውሓስ ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ክሰጋገር'ዩ ዝጠልብ።