• Home
  • News_ዜና
      • Back
      • ሃገራዊ ዜና
      • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
      • Back
      • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና
  • Home
  • News_ዜና
    • ሃገራዊ ዜና
    • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
    • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና

Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai
Sunday, February 17, 2019
  • Home

Welcome to Radio Erena!

ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ብዛዕባ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ

  • Print
  • Email

 Radio Erena: 14 February 2019

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብዛዕቲ ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ብዝምልክተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንሱ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ምስ ኤርትራ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝጸንሐ ምውጣጥ ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝወሰዶ ተበግሶ ድሕሪ ምምጓስ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ጅዳ ንክራኸቡ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ንኢዱ።

ኣብቲ ናይ ጅዳ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ምስ ጅቡቲ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዘሎ ቃል ስለዝተወ፣ ብወገና'ውን ድሉዋት ኣሎና ዝበለ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ክልትኤም መራሕቲ ክራኸቡ መደብ ከምዘሎ'ውን ኣተንቢሁ።

Read more ...

ደረፍቲን ሳዕሳዕትን ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 14 February 2019

ደረፍቲ፣ ሳዕሳዕትን ተላሃይትን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማስን ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

እቲ ሎሚ14 ለካቲት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ፣ ገዲም ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ዝርከቦም፣ ልኡኽ ባህሊን ዲፕሎማሲን ህግደፍ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንህዝቢ ምርኢት ከቕርብ'ዩ።

ይኹን'ምበር እቲ ብስም "ጽምብል ሰላም" ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘሎ ልኡኽ ህግደፍ፣ ኣብቲ ብቋንቋን ባህልን ዝመሳሰሎ ህዝቢ ክልል ትግራይ፣ ምርኢት ከምዘየቕርብ ተፈሊጡ ኣሎ።

Read more ...

"መን ይፈልጥ? ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን።" ለማ መገርሳ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 14 February 2019

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ብምኽንያት ጽምብል መበል ሻውዓት ምልኻል ሃገር፣ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ "መን ይፈልጥ ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን ክብል ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ኣቶ ለማ መገርሳ፣ "ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፣ ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ የድልያ ኣሎ?” ንዝብል ካብ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሕቶ፣ ኣብ ዝሃቦ መልሲ'ዩ ነዚ ገሊጹ።

ንሱ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምውናን ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ኣየድልን። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን፣ ሓይሊ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዝህልወና ጽቡቕ'ዩ። ምናልባት'ውን መን ይፈልጥ ንመጻኢ ይህልወና ይኸውን ክብል'ዩ መሊሱ።

Read more ...

ኤርትራ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 14 February 2019

ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 15 ክሳብ 25 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ከምዝቐረበላ ጋዜጣ ለ'ኢኵፕ ኣፍሊጣ።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ምስ ዙር ፈረንሳ ተመሳሳልነት ዘለዎ ቅድድም ክትሳተፍ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ዝቐረበላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ፣ ዙር ለ'ኤስፕዋኽ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም፣ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ቅድድም ብኽሽክለታ ኤርትራ፣ ተዓዋቲት ብምዃና'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ተዓዋቲት ናይቲ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዙር ኣሚሳ ቦንጎን፣ ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ትሕቲ 23 ዓመት ዙር ለ'ኤስፕዋኽን ዝኾነት ርዋንዳ፣ ኣብዚ ናይ ፈረንሳ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ናይ ክብሪ ዕድምቲ ኮይና ምውድዳራ ኣይርሳዕን።

Read more ...

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊቱ ከጉድል'ዩ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 14 February 2019

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣዋፊርዎ ዝርከብ ብዝሒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከጉድል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ'ዚ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ካብ ሶማል ክስሕቡ'ዮም።

እዚ ናይ ምስሓብ መደብ ናብ ግብሪ ዝሰጋገር ዘሎ፣ ላዕለዎት ኣዘንዝቲ ሰራዊት ናይቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት፣ ኣብ ሞቛድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምዝርራብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ እማመ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊቱ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን፣ ጠቕሊሉ ብምውጻእ፣ ምውሓስ ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ክሰጋገር'ዩ ዝጠልብ።

Read more ...

  1. ምስ ተቓውሞ ኣኽርያን ድሒሩ ዝሰዓበ ኩነታትን ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓጂ መሓመድ ኣብራር ተፈቲሖም
  2. ወኪል ኤርትራ፣ ኣብ ምምራቕ ሓወልቲ ንጉስ ሃይላሴ ተሳቲፉ
  3. ኢትዮጵያ፣ 3 መሳጊድን 7 ኣብያተ ክርስትያንን ተቓጺለን
  4. ሱዳን፣ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ተኣሲሮም

Page 1 of 845

  • Start
  • Prev
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • Next
  • End

Inside Erena

  • ሰብኣዊ መሰላት
  • ፍጻሜታት
  • መዛግብ
  • ደብዳበታት
  • ጽሑፋት

Most read content

  • ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና
  • መ.ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ
  • ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተረጋጊጹ፣ 155 ኤርትራውያን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ
  • ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

ናጻ መድርኽ

  • ፖለቲካዊያን ውድባት
  • በርጌሳዊያን ማሕበራት
  • ናጻ መድርኽ

Links

  • adoulis
  • allsaho
  • alnahda
  • arkokabay
  • asmarino
  • asena
Back to top