IMF ንሶማል ዝወሃብ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክቕጽል ተሰማሚዑ

Radio Erena: 22 May 2022
ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንሶማል ዝወሃብ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክቕጽል ተሰማሚዑ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ፕረዚደንታዊን ባይቶኣዊን ምርጫ ሶማል ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ተኻዪዱ፣ ቅድሚ ዕለት 17 ግንቦት ሓድሽ ምምሕዳር እንተዘይተመስሪቱ፣ እቲ ሓገዝ ብኡ ንብኡ ደው ክብል ምዃኑ እዩ ኣጠንቂቑ ኔሩ።
ብ15 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ብምምራጹ ግና፣ IMF ነቲ ሓገዝ ከምዘየቋርጾ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቁጠባዊ ቅልውላው ሶማል መዓልታዊ እንዳኸፈአ ይኸይድ ብምህላዉ፣ እቲ መንግስቲ ንሰራሕተኛታቱ ደሞዝ ክኸፍለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ ይግለጽ።
እዚ IMF ዝለገሶ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ንሰለስተ ዓመታት ዝቕጽል ኮይኑ፣ ንቁጠባ’ታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከብጽሕ ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።
እቲ ስምምዕ ብሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ምውሳኑ፣ ሓድሽ መንግስቲ ሶማል፣ ፖሊሲታት ኣብ ምምሕያሽን ሓድሽ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ጻዕርታት ንኸካዪድ ዕድል ዝኸፍት እዩ፣ ክብሉ’ዮም ሰበስልጣን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝገልጹ።
ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ብትሕቲ 1 ዶላርን 90 ሳንቲምን ዝነብር ሶማል፣ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም እያ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0