DP world ወሃብ ኣገልግሎት ኮንተርነራት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ናይ 30 ዓመት ውዕሉ ክቕጽል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ

DP world ወሃብ ኣገልግሎት ኮንተርነራት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ናይ 30 ዓመት ውዕሉ ክቕጽል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ

Radio Erena: 07 October, 2014

DP

ኣብ ወደብ ጅቡቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ተርሚናል ኮንተይነር ዝተኻረየ ኣህጉራዊ ኩባንያ ዲፒ ዎርልድ ነቲ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኣተዎ ናይ 30 ዓመት ውዕል ክምለሰሉ ሕጋዊ መስርሕ የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ናይቲ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ DP world ዝተባህለ ኣህጉራዊ ኩባንያ ወሃቢ ኣገልግሎት ወደባት፣ ሱልጣን ኣሕመድ ቢን ሱሌማን፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንማዕከን ዜና ጋልፍ ቢዝነስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ኩባንያ ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮ ኣገልግልት ናብ ንቡር ክምለስ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ኣሎ።

 

መንግስቲ ጅቡቲ፣ እቲ ኩባንያ ዝኣተዎ ውዕል ብግቡእ ኣየተግበረን ብዝብል፣ ምስቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ወደብ ኣገልግሎት ዘለዎ ዓቢ ኩባንያ ዝኣተዎ ናይ 30 ዓመታት ውዕል ክራይ ከምዝሰረዞ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ መስርሕ ይካየደሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ውሳኔ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ወደብ ጅቡቲ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝነኣሰ ወደብ ደኣ ይኹን’ምበር ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ምስ ቀዳሞት’ዩ ዝስራዕ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0