DP World  ናይ ዱባይ፣ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ናጻ ዞባ ምህናጻ ይኸስስ

DP World ናይ ዱባይ፣ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ናጻ ዞባ ምህናጻ ይኸስስ

Radio Erena: 07 November 2018

Djibouti Dorale

DP World ዝተባህለ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ኩባንያ ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ፣ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ናጻ ዞባ ምህናጻ ከሲሱ።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ምስቲ ኩባንያ ዝነበሮ ናይ ወደብ ውዕል ብምስራዝ ምስ ቻይና ብዝኸተሞ ሓድሽ ስምምዕ፣ ኮንተይነር ኣብ ዝራገፈሉ ከባቢ ወደብ ዶራለ፣ ናጻ ዞባ ይህነጽ ብምህላዉ’ዩ፣ እቲ ኩባንያ ኣብ ሆንግ ኮንግ ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሲ ኣቕሪቡ ዘሎ።

እቲ ኩባንያ ኣቐዲሙ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ነቲ ኣብ ወደብ ዶራለ ዝኣተዎ ውዕል ምስራራዙ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምብላ ኣብ ለንደን ክሲ ከምዘቕረበ ይዝከር።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ነቲ ናይ ዱባይ ኩባንያ ዝግብኦ ካሕሳ ከምዝኸፍል ብምርግጋጽ፣ ንዝቐረበሉ ክሲ ከምዘይብለን ነቲ ውዕል ከምዘየሐድሶን ኣርጋጊጹ’ዩ።

ጅቡቲ ምስ ዱባይ ዝኣተወቶ ውዕል ዝሰረዘትሉ ምኽንያት፣ እቲ ኩባንያ ንወደብ ጅቡቲ ትሕቲ ዓቕሙ ከስርሖ ብምጽንሑን፣ ንንጥፈታት ወደብ ጅቡቲ ክቖጻጸሮ ብምፍታኑን’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0