ኣስመራ፣ ተማህሮ ዲያእ ኣል እስላሚያ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ ሰራዊት ንምብታኖም ተዅሲ ከፊቱ

ኣስመራ፣ ተማህሮ ዲያእ ኣል እስላሚያ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ ሰራዊት ንምብታኖም ተዅሲ ከፊቱ

Radio Erena: 31 October 2017

Dia Islamic School

ኣብ ኣስመራ፣ ሎሚ 31 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕረ ቀትሪ፣ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተኣኻከቡ ኣስታት 100 ዝኾኑ ተማህሮ ዲያእ ኣል እስላሚያ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም መጉልሒ ድምጺ፣ ኣባትርን ኣእማንን ዝሓዙ ተማህሮ፣ ነቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ‘ታ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢን ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝርከብዎም ኣካየድታ ናይ ምእሳር ስጉምቲን ብምኹናን፣ ፕረዚደንት ቅልጡፍ ፍታሕ ክእዝዝ ጸዊዖም።

እንተኾነ፣ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ብረት ዝዓጠቑ  ብብዝሒ ሰራዊት ነቶም ተማህሮ ብምኽባብ ብኣባትርን ብተኹዅስን ከምዝበተንዎም ተረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ ጽዑቕ ተዅሲ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ተማህሮ ፈቐድኡ ክበታተኑ እንከለዉ፣ ሓያሎ’ውን በቶም ሰራዊት ተታሒዞም ኣለዉ።

ብድሕሪ’ዚ ብመካይን ዝተጻዕኑ ሰራዊት ናብ ኣኽርያ፣ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ተዋፊሮም፣ ህዝቢ ብግፋን ግፍዕን የከላብቱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል እስላምያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ወትሃደራት ከቢቦምዋ ከምዘምሰዩ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣስመራ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ሰራዊት ይርአ ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዓዲ ሓሎ ብስም ትምህርቲ ኮሌጅ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣስታት 6 ሽሕ ተማህሮ ኣብ ዝሓለፍ ክልተ ቅነ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣድማ፣ ናብ ኣጻምእ ከባቢ ሳሕል ድሕሪ ምውሳዶም፣ ካልኦት ኮሌጃት ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ኣድማን ተቓውሞ ስምዒታት ከየሕድራ፣ ጽዒቕ ምክትታል ይካየደልን ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም።

====================

እቶም መጉልሒ ድምጺ፣ ኣባትርን ኣእማንን ዝሓዙ ተማህሮ፣ ነቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ታ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢን ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝርከብዎም ኣካየድታ ናይ ምእሳር ስጉምቲን ብምኹናን፣ ፕረዚደንት ቅልጡፍ ፍታሕ ክእዝዝ ጸዊዖም።

እንተኾነ፣ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ብረት ዝዓጠቑ ብብዝሒ ሰራዊት ነቶም ተማህሮ ብምኽባብ ብኣባትርን ብተኹዅስን ከምዝበተንዎም ተረጋጊጹ።

ድሕሪቲ ጽዑቕ ተዅሲ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ተማህሮ ፈቐድኡ ክበታተኑ እንከለዉ፣ ሓያሎውን በቶም ሰራዊት ተታሒዞም ኣለዉ።

ድሕሪዚ ብመካይን ዝተጻዕኑ ሰራዊት ናብ ኣኽርያ፣ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ተዋፊሮም፣ ህዝቢ ብግፋን ግፍዕን የከላብቱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል እስላምያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ወትሃደራት ከቢቦምዋ ከምዘምሰዩ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣስመራ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ሰራዊት ይርአ ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0