ቀጠር፣ ንመስርሕ ሰላምን ዕርቂን ኤርትራን ጅቡትን ብወግዒ ደው ኣቢላ

ቀጠር፣ ንመስርሕ ሰላምን ዕርቂን ኤርትራን ጅቡትን ብወግዒ ደው ኣቢላ

Radio Erena: 13 June 2017

Qatar Eri

ንግስነት ቀጠር፣ ነቲ ካብ ሰነ 2008 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትንን ዝተጎሃሃረ ዶባዊ ግጭት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝጀመሮ መስርሕ ሰላምን ዕርቂን ብወግዒ ደው ከምዘበለት ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ናብ መንግስታት ጅቡትን ኤርትራን ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ንግስነት ቀጠር፣ ነቲ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሀ ጻዕሪ ከምዘቋረጾ ብምምልካት፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልብኡ ዘይበጽሐ መስርሕ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሕቡራት ሃገራት ክሰጋገር ዝብል እማመ ኣቕሪቡ።

እቲ ሚኒስተሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሓበ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር ከምዝሰሓበ ኣነጺሩ።

ንግስነት ቀጠር ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወሰደ፣ ድሕሪ’ቲ ኤርትራን ጅቡትን ንመርገጺ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምድጋፍ ዝምድንአን ከዛሕትላ ምውሳነን’ዩ።

ብመንጎኝነት ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ሰላምን ዕርቂን፣ ኤርትራ ሒዛቶም ዝነበረት ኣርባዕተ ምሩኳት ኵናት ጅቡቲ ከተረክብ እንከላ፣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ድሌት ከምዘይብሎም ዘረጋገጹ ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዝነበሩ 19 ምሩዅት ኵናት ኤርትራ ናብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተሰጋገሩ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር እቲ ኣውራ ዘሰሓሓበ ጉዳያት ዶብ ናይ መወዳእታ ሕጋዊ መዕለቢ ከምዘይተገብረሉ ይፍለጥ።

ኣሰር ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን እናሰዓበ ምስ ናይ ቀደም መሻርኽቱ ዝኾና ሃገራት ዝጸንሖ ዝምድና ከሻሕክር ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 12 ሰነ ኣብ ዘአጽኦ መግለጺ፣ ኣንጻር ቀጠር መርገጺ ከምዝወሰደ ኣነጺሩ።

እቲ መንግስቲ ኣንጻር ቀጠር ዝቀንዐ መርገጺ ዝወስድ ዘሎ፣ ግብር መልሲ ናይቲ ቀጠር ብጉዳይ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ምዝሕታላን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጸ ምቁራጽ በረራታት መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራን ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመን ተተሓሒዙ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዝጀመርኡ ሽርክና፣ ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝህበን ዘሎ ወትሃደራዊ ኣገልግሎታት፣ ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ የብርክታሉ ምህላወን ዝሓበሩ እቶም ተንተንቲ፣ ምስታ ሓደ እዋን ዝቐረበ ዝምድና ዝነበሮ ቀጠር፣ ዝምድንኡ ከዛሕትል ወሲኑ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ሓድሽ ስልታዊ ዝምድና ካብ ዝመስረተለን ኣብዘን ኣስታት ክልተ ዓመታት ጥራይ ናይ ወጻኢ ፖሊስኡ ክገላበጥ ከምዝጸንሐ ዘረድኡ እቶም ተንተንቲ፣ ኣቐዲሙ’ውን ምስታ ንነዊሕ እዋን ዝምድና ዝነበሮ ኢራን ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዝወሰደ ኣዘኻኺሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ደድሕሪ መርገጺታት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝጉተት ዘሎ፣ ኣብ ዞባ ሃገራት ዓረብ ኣገዳስን ጸለዋን ተራ ሃልይዎ ዘይኮነ፣ እቲ ድሮ ብጉዳይ ዓሰብ ዝረኽቦ ዘሎ ሚልዮናት ዶላራት ንኸይኩለፍ ዝገብሮ ጻዕሪ ጥራይ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ኣስሚሮም።

ኣብ መንጎ ኣሚር ቀጠርን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብዝነበረ ጥቡቕ ዝምድና፣ ኣሚር ቀጠር ነበር ሸሕ ሓማድ፣ ንስድራቤቱን ስድራቤት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፣ ኣብ ደሴት ዳህላክ መዘናግዒ ሪዞርት፣ ወይ ፍሉይ ቦታ ብሊባኖሳዊ ኩበንያ ከምዝሃንጸ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ በዓልቲ ቤት ኣሚር ቀጠር ነበር ሸሕ ሓማድን ኣድኡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣሚር እ ሃገር ሸኽ ታሚምን፣ ኣብ እትውንኖ ናይ መጓዓዝያ ትካል ኣብ ምምራሕ መኪና ንኽሰርሑ ኣማኢት ተጋደልቲ ነበርን ሓለፋ ዝተገብረሎም ዜጋታትን ናብታ ሃገር ከምዝገዓዙ ኣይርሳዕን።

ሓገዝ ቀጠር በዚ ከይትሓጽረ፣ ብመንገዲ ኣልጀዚራ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ኣቑሑ ረዲኤትን ምስልጣን ኣባላት ዜናን ከምዘሰላሰለት ሰነዳት የረጋግጹ።

በንጻር እዚ፣ ስዑዲ ዓረብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት 15 ዓመታት ዝኾነት ዓይነት ዝምድና ከምዘይጸንሓን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ስዑዲ ኣብ የመን ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ኣብ ዝወሰነትሉ ንኤርትራ ንስልታዊ ረብሓታት ክትጥቀመላ ካብ ምሕላን፣ ዝምድና ከምዝመስረተት ኣቐዲሙ ተጠቒሱ’ዩ።

ጉዳይ የመን ብወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይፍታሕ ርጉጽ ኣብ ዝኾነሉን ብፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ዝትከኣሉን እዋን፣ ስዑዲ ምስ ኤርትራ መስሪታቶ ዘላ ስልታዊ ዝምድና ከተዛሕትል ተኽእሎ ከምዘሎ ትንታነታት ይወሃቦ’ዩ።

ድሕሪ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ምስ ቀጠር ዝጸንሓ ዝምድና ምብታኻ፣ ኣሰር ስዑዲ ስዒበን ዝምድንአ ምስ ቀጠር ዝበተኻ፣ ዘደስከላ ወይ ከኣ ዘዛሕተላ ሃገራት፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬን፣ ግብጺ፣ ሊብያ፣ ጅቡቲን ኤርትራን ክኾና እንከለዋ፣ ቱርኪ፣ ኩዌትን ሱዳንን ዝርከብአ ሃገራት ከኣ ዕርቂ ዝጽውዓ’የን።

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዋ መርገጺ ንምፍላጥ ሰበ ስልጣናተን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክልእካ ይርኣዩ።

ንሶማል ንምስዳዕ’ውን ስዑዲ ዓረብ ሚልዮን ዶላራት ሰሊዓ ከምዘላ ይጥቀስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ባሕሬን ዝርከቡ ዜጋታት ቀጠር ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ክወጹ ተነጊርዎም ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0