ኤርትራ፣ ኣብ ወቒሮን ከባቢኣን፣ 16 ቆልዑን ክልተ ኣዴታትን ብሕማም ውጽኣት ሞይቶም

ኤርትራ፣ ኣብ ወቒሮን ከባቢኣን፣ 16 ቆልዑን ክልተ ኣዴታትን ብሕማም ውጽኣት ሞይቶም

Radio Erena: 24 December 2018

Wekiro

ኣብ ኤርትራ፣ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከባቢ ወቒሮ፣ ብሕማም ውጽኣት 16 ቆልዑን ክልተ ኣዴታትን ከምዝሞቱ ምስ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ዞባ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

60 ኪሎሜተር ንሰሜን ካብ ከተማ ምጽዋዕ ሪሒቓ እትርከብ ወቒሮ፣ ነበርታ ካብን ናብን ካልእ ከባቢታት፣ ብፍላይ ድማ ሕክምና ንምርካብ ናብ ከተማ ምጽዋዕ ከይንቀሳቐሱ ተሓጺሮም ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብታ ዓዲ ናብ እትርከብ ክሊኒክ ተወሰኽቲ ሓደ ዶክተርን ሽዱሽተ ነርሳትን ተመዲቦም ከምዘለው ገሊጾም።

ብዘይካ’ዚ ምልክታት እቲ ናይ ውጽኣት ሕማም ንዝተራእዮም ሓያሎ ሰባት፣ ካብ ንቕጸት ዘድሕን ተበጽቢጹ ዝስተ መድሃኒትን ጸረ ባክተርያ (ኣንቲባዮቲክን) ይዕደሎም ኣሎ።

ጠንቂ’ቲ ኣብ ወቒሮ ተራእዩ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ውጽኣት፣ እታ ዓዲ ዝነበራ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንኣስታት ሓደ ዓመት ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ነበርታ ካብ ወሓይዝን ካልእ ጽሬቱ ዘይሓለወ ዑቋር ማይን ይጥቐሙ ብምህላዎም ዝብል ግምታት ኣሎ።

እቲ ውጽኣት ዘስዕብ ተላባዒ ሕማም፣ ሸሮኽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና መደምደምታ ኣይተዋህቦን።

ኣቐዲሙ’ውን ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ሓያሎ ከባቢታት፣ ተመሳሳሊ ክስተት ተራእዩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0