96 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ተጣይሶም

96 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ተጣይሶም

Radio Erena: 05 April 2016

96 Er

ፈረንሳ ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት 96 ኤርትራውያን ኣጣይሳ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ብ29 መጋቢት’ዮም ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ግዒዞም።

ፈረንሳ ነዞም ኤርትራውያን ተጣይስ ዘላ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምቕራሕ ብዝኣተውኦ ስምምዕ መሰረት’ዩ።

 

ፈረንሳ ዜጋታት ሶርያን ኤርትራን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ኢጣልያን ግሪኽን ከተጣይስ ምዃና እኳ እንተረጋገጸት ዛጊት ናይ ዝተቐበለቶም ብዝሒ ኤርትራውያን ካብ 150 ኣይሓለፈን።

ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ብመሰረት እቲ ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ፣ 10ታት ኤርትራውያን ኣብ ምጥያስ ይርከባ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ ዜጋታት ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝስራዕ ጸብጻባት ኢምግሬሽን ኤውሮጳ የመልክት።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0