8 ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ-ካናዳዊ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐቲሉ

Radio Erena: 25 September 2019

ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ 8 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ-ካናዳዊ፣ ናብ መበቆል ሃገሩ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ተቐቲሉ።

መርበባት ሓበሬታ ካናዳ ብዝዘርግሐኦ ዜና መሰረት፣ እቲ ሚኪኤል ገብሩ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ-ካናዳዊ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ መበቆል ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ፣ ብዘይተፈልጠ ኩነታት’ዩ ተቐቲሉ ተረኺቡ።

ነባሪ ከተማ ቶሮንቶ ዝኾነ፣ ወዲ 41 ዓመት ሚኪኤል ገብሩ፣ ድሕሪ ሎተሪ ምዕዋቱ፣ ናብ ኢትዮጵያን ካናዳን ብቀጻሊ’ዩ ክመላለስ ጸኒሑ።

ብዛዕባ ኣማውትኡ ዝምልከት ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ዝገልጹ ቤተሰቡ፣ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ካናዳ ሓገዝ ሓቲቶም ኣለዉ።

ሚኪኤል፣ ነቲ 8 ሚልዮን ዶላር ድሕሪ ምዕዋቱ፣ ብምስጢር ክተሓዘሉ ደልዩ ከምዝነበረ’የን መርበባት ዜና ካናዳ ዝጠቕሳ።

እንተኾነ ኣማውትኡ፣ ምስቲ ሎቶሪ ብምዕዋቱ ዝወነኖ ሃብቲ ምትሕሓዝ ኣለዎ ድዩ የብሉን ገና ኣይተፈልጠን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0