7ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ ወናኒ ብጫ ማልያ ናትናኤል ተስፋጽዮን ናይ ግዜ ፍልልያቱ ኣዛይዱ

Radio Erena: 29 February 2020

ብጫ ማልያ ለቢሱ ንኽብሩ ኣብ ምክልኻል ዝርከብ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ሎሚ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተገብረ ናይ4.5 ኪሎ ሜትር ርሕቕት ዝነበሮ ናይ ክሮኖሜትር ውድድር፡ ብቀረባ ንዝወዳደሮ ዘሎ ርዋንዳዊ ሞይሰ ሙጊሻ 22 ካልኢታት ከሲብሉ።

ናትናኤል፡ ንውድድሩ ብ6 ደቓይቕን 59 ካልኢታትን መበል 21 ደረጃ ሒዙ ብምዝዛም ምስኡ ንዝቐነያ 3 ማልያታት ከውሕስ ከሎ፡ ሞይሰ ሙጊሻ ድማ፣ ካብኡ 22 ካልኢታት ብምድሓሩ፡ ኣብ መንጉኦም ዝነበረ ፍልልይ ናብ 1 ደቒቕን 30 ካልኢታትን በሪኹ።

ኣብ’ዚ ኮሎምብያዊ ዮናታን ሬስትሬፖ ብ6 ደቕይቕን 32 ካልኢታትን ራብዓይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበሉ ውድድር፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ኒፖ ዴልኮ ቢንያም ግርማይ፡ 2 ካልኢታት ተፈንቲቱ 2ይ ደረጃ ሒዙ።

ጽባሕ ሰንበት ኣብ ውሽጢ ከተማ ኪጋሊ ዝሰላሰል ሻሙናይን መዛዘምን መድረኽ ዙር ርዋንዳ 89.3 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ክኸውን ከሎ፡ ካብ ብዙሓት ጋንታታት ሓያሎ መጥቓዕትታት ክፍነወላ ምዃኑ ብኣግኡ ተገሚቱ ዘሎ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ናትናኤልን ዳዊት የማነን ሒዛተን ንዘላ 4 ማልያትት ንምዕቓብ፣ ጥንቃቐ ዝመልኦ ጸወታ ክተካይድ ክሓታ እዩ።

እዚ መዛዘሚ ውድድር፡ ብርሕቐት ሓጺር’ኳ እንተመሰለ፡ 4 ናይ 1 ደረጃን 2 ናይ ሆርስ ካቴጎሪን ዓቐባት ዘጠቓለለ ብምዃኑ ግን፡ ኣዝዩ በዳሂ ቅድድም ክኸውን እዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0