600 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ እቶም 200 ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ

600 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ እቶም 200 ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 06 August 2015

600

ኣስታት 600 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ እቶም ኣስታት 400 ክድሕኑ እንከለዉ፣ ኣስታት 200 ድማ ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዛጊት ብዘያከድዎ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ነቶም 400 ስደተኛታት ብህይወቶም ከድሕንዎም እንከለዉ፣ ናይ 35 ሰባት ሬሳ ኸኣ ረኾቦም ኣለዉ።

ካብቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስደተኛታት ብህወይት ዝተረፉ ክህልዉ ናይ ዘሎ ተኽእሎ ዜሮ ምዃኑ ሓይኢ ባሕሪ ኢጣልያ ገምጋሙ ይህብ።

 

እንተኾነ ሬሳ ናይቶም ኣስታት 150 ዝኾኑ ስደተኛታት ንምርካብ’ውን እቲ ስርሒት ክቕጽል ምዃኑ እቲ ሓይሊ ባሕሪ የመልክት።

ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብዎም እታ ኣስታት 600 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዙሕ ከይርሓቀት’ያ ብሮቡዕ 5 ነሓሰ ጥሒላ።

ዜግነት ናይቶም ጥሒሎም ዘለው ስደተኛታት ዛጊት ኣይተነጸረን።

ዓመት 2015 ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ናይ ዝሙቱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዝሒ ልዕሊ 2 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ መዕገቲ ተሳኢንዎ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ውዱእ ስምምዕ ከይበጽሓ’ዩ እዚ ናይ ትማሊ ሮቡዕ ዘሰንብድ ሓደጋ ባሕሪ ኣጋጢሙ ዘሎ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0