60 ክኢላታት ሕግን ጠበቓታትን፣ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መደባ ደው ከተብል ጸዊዖም

60 ክኢላታት ሕግን ጠበቓታትን፣ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መደባ ደው ከተብል ጸዊዖም

Radio Erena: 13 April 2018

lawyers israel

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወከሉ 60 ክኢላታት ሕግን ጠበቓታትን፣ መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መደብ ደው ከብል ከምዝጸውዑ መርበብ ሓበሬታ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢሩ።

እቶም ካብ ኣመሪካ፣ ካናዳን ሃገራት ኤውሮጳን ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ኣብ ጥብቅና ጉዳያት ስደተኛታትን ኢምግሬሽንን ዝነጥፉ ኮይኖም፣ ኣብቲ ጻውዒት፣ ኣኽባር ሕጊ እስራኤል ነቲ ዘይሕጋዊ መስርሕ ምስጓግ ስደተኛታት ደው ከብሎ ተላብዮም።

ንሳቶም ኣብቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ዝልኣኽዎ ደብዳቤ፣ እስራኤል እትፍጽሞ ዘይሕጋዊ መስርሕ ምስጓግ ስደተኛታት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ዝግህስ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣንጻር እዚ መንግስቲ እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ምስጓግ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ብደረጃ ዓለም ተቓውሞ ዝገጥሞ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ጉዳዩ ምስ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ብምግባር ክፈትሖ ከምዝወሰነ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነቲ ስምምዕ ከምዝሰረዞ ኣይርሳዕን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ካብቲ ስምምዕ ምስሓቡ፣ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ 11 ናይ ኣይሁድ ማሕበረ ኮማት ብ5 ሚያዝያ ተቓውሞታተን ከምዝገለጻ ይፍለጥ።

እተን ማሕበረ ኮማት ኣብ መልእኽተን፣ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዘመነ ምስዳድን ግፍዕን ኣይሁድ ( Holocaust ) ዝሓለፈ ታሪኽ ክርስዕ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲበን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0