6ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ ናትናኤል ብጫ ማልያ ይዕቅብ፣ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ማልያኣ ተረክብ

Radio Erena: 28 Febrauray 2020

ዙር ርዋንዳ 2020 ሎሚ ዓርቢ ንሻዱሻይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ልሙድ ወጻኢ ዓወት ኣይቐንዖም።

ኣብ’ዚ ካብ ናይ ትማሊ ብዝሕይል ዝናብን ንፋስን ተሰንዩ፣ ምፍጣር ዝተፈላለያ ጉጅለታትን መውደቕቲን ዘኸተለ ውድድር፣ ኣብ’ዚ ዙር 2 ናይ መድረኽ ዓወታት ኣመዝጊቡ ዝነበረ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣድሮኒ ጂዮካቶሊ፣ ዮናታን ሬስትሬፖ: ሳልሳይ ርእሱ ብ1 ደቒቕን 27 ካልኢታትን ተፈልዩ ብድሕሪ ምምጽኡ፣ ቀዳማይ ብምእታው 3ይ ናይ መድረኽ ዓወት ሓፊሱ።

ተቐዳዳማይ ክለብ እስራኤል ሳይክሊንግ ኣካዳሚ፣ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ገብረመድህን ሓሙሻይ ተርታ ክስራዕ ከሎ፣ ኤርትራውያን ሄኖክ ሙሉብርሃን፣ ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ካብ መበል 13 ክሳብ 15 ንዘሎ ደረጃ ሒዞሞ።

ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ካብ ወናኒ ብጫ ማልያ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ2 ደቓይቕን 11 ካልኢታትን ድሒሩ፣ ናብ’ዚ ናይ ሎሚ 127.3 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ቅድድም ዝኣተወ፣ 2ይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ርዋንዳዊ ሞይሰ ሙጊሻ፣ ሎሚ ንናትናኤል 1 ደቒቕን 5 ካልኢታትን ስለ ዝኸሰበሉ፣ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ግዜ ጋግ ናብ 1 ደቒቕን 8 ካልኢታትን ለጠቕ ኢሉ ኣሎ።

ብድሕሪ’ቲ ሎሚ ዝተረኽበ ውጽኢት፣ ብግዜ ንእትመርሕ ጋንታ እትወሃብ ማልያ ካብ ኢድ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወጽያ ናብ ኢድ ክለብ ኣድሮኒ ጂዮካቶሊ ዝኣተወት ክትከውን ከላ፣ ብጫ ማልያ፣ ጻዕዳ ማልያን ማልያ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይን ምስ ናትናኤል፣ ቀጠልያ ማልያ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ: ምስ ዳዊት የማነ ኣለዋ።

ናትናኤል ንብጫ ማልያ ሒዝዋ ናብ ኤርትራ ከምርሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ጽባሕ ዝካየድ 4.5 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ናይ ክሮኖሜትር ውድድር፣ ከምኡ’ውን ሰንበት ዝሰላሰል 89.3 ርሕቐት ዘለዎ ናይ ውሽጢ ከተማ ቅድድምን: ምስ ብጾቱ ሓያል ቓልሲ ክሓቶም’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0