52 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምዕማጽ ዝተኸሰሱ ሱዳናውያን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም

52 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምዕማጽ ዝተኸሰሱ ሱዳናውያን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም

Radio Erena: 02 July 2018

Smugglers in the Sudan

14 ደቂንስትዮ ዝርክብኦም 52 ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምዕማጽ ዝተኸሰሱ ሱዳናውያን ጽባሕ ሰሉስ 3 ሓምለ ኣብ ቤት ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ንምንጭታት ዜና እታ ሃገር ብምውካስ ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጡ ሱዳናውያን ክሱሳት፣ ነቶም ስደተኛታት ምዃኖም ዝተገልጹ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቓዊ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መዝርዓታት ወይ መኻዚኖታት፣ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጅሆ ሒዞምም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ’ዮም ነቲ ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ዘብጽሑሎም።

ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝኾኑ እቶም ኤርትራውያን፣ ንኣኽበርቲ ሕጊ ሱዳን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር ክኽፈሉ ይግደዱ ምንባሮም ገሊጾም።

ብዘይካ’ቲ ብማህረቲን ብቃላታን ዘውረድሎም ኣካላውን ሞራላውን ማህሰይቲ፣ ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽምሎም ምንባሮም ሓንቲ ካብተን ትሕቲ ዕድመ ደቂንስትዮ ቃለ-ምስክርነታ ሂባ።

ቤት ፍርዲ ካርቱም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ መጋብኣያ፣ ንቃላትን ምስክርነትን ክሱሳትን ግዳያትን ድሕሪ ምስማዕ’ዩ ንሰሉስ 3 ሓምለ ደጊሙ ክጋባእ ውሳቤ ዝሃበ።

 

ስእሊ፣ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0