5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ክብራ ከየድፈረት ቀጺላ

Radio Erena: 27 February 2020

ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2020፣ ሎሚ ሓሙስ’ውን ንሓሙሻይ መዓልቱ ቐጺሉ ኣርፊዱ።

ኣብ’ዚ ብዝናብ ተሰንዩ ዝተኻየደ ናይ ሎሚ ቅድድም፣ ተወዳደርቲ ካብ ሩባቩ ናብ ሙሳንዘ 84.7 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ብሓባር ኣብ መዛዘሚ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ዝበጽሕሉ:፣ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣንድሮኒ ጂዮካትሊ፣ ዮናታን ሬስትሬፖ፣ ንፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዲረክት ኤነርጂ፣ ሮማይን ካርዲስ ኣኸቲሉ ክዕወት ከሎ፣ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኸኣ፣ 3ይን 4ይን ብምዃን ተመራሪሖም ኣትዮም።

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ካብ ኒፖ ዴልኮ 6ይ፣ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ገብረመድህን ካብ እስራኤል ሳይክሊንግ ኣካዳሚ 8ይ፣ ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ ካብ ባይክ አይድ ብወገኖም 10ይ ተርታ ብምሓዝ ውድድሮም ፈጺሞም።

ብውህሉል ግዜ ብልዕሊ 2 ደቓይቕ መሪሕነት ጨቢጡ ዘሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ናብ’ዚ ጽባሕ ካብ ሙሳንዘ ናብ ሙሃንጋ 127.3 ኪሎ ሜትር ዝዓምም 6ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ ትማሊ ንዝጠርነፈን ብጫ ማልያ፣ ጻዕዳ ማልያን ከምኡ’ውን ማልያ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይን ሒዙ ክኣቱ እዩ።

ዳዊት የማነ ብወገኑ ቀጠልያ ማልያ ቅጽበታዊ ውድድር ሒዙ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻር ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘየላ፣ ማልያ ንጉስ ዓቐብ ጥራይ እያ።

ብደረጃ ጋንታ’ውን እንተኾነ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እዚ ውድድር ካብ ዝፍልም ኣትሒዛ ቀዳማይ ተርታ ሒዛ ንዝተሸለመታ ማልያ ዛጊት ንኻልኦት የሕሊፋ ኣይሃበትን ዘላ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0