41 ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ጸዊዖም

41 ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ጸዊዖም

Radio Erena: 19 December 2014

UK parliament

41 ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ጸዊዖም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይፍትሓውን ሃነደበታውን ምእሳር ዜጋታት ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን፣ ንዓያዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ናብ ስደት ክውሕዝ ኣገዲድዎ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ናብ ኣስታት ሓሙሽት ሽሕ በጺሑ ምህላዎም ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ኣመልኪቶም።

እዚ ዝፈጠሮ ዋሕዚ ናብ ስደት ንብዙሓት ኤርትራውያን ግዳይ ሞትን ካልእ ሓደጋታትን ጌርዎም ምህላዉ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ ከም ኣብነት ጠቒሶም።

 

ኩባንያታት ዕደና ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ካልኦትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባራ ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ወፍሪ ንሓያሎ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተታሕዙ ዜጋታት እታ ሃገር ምስ ባርነት ክጽብጸብ ኣብ ዝክእል ናይ ጉለብት ስራሕ የዋፍራ ምህላወን’ውን ተወሳኺ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ እቶም ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ወቒሶም።

እቶም ካብ ሰልፊ ዕዮ፣ ሰልፊ ዓቃባዊ፣ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራት፣ ሰልፊ ሊበራል ደሞክራት፣ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮቲሽን ካልኦትን ዝወከሉ 41 ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ መደምደምታ ድማ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብልን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘዘ ፍልይቲ ልእኽትን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ገምጋሞም ክህቡ ክፈቕድን ተማሕጺኖም።

===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0