4 ሽሕ ወትደራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ኤርትራ ስልጣና ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ

4 ሽሕ ወትደራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ኤርትራ ስልጣና ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 June 2016

Yeme

ኣርባዕተ ሽሕ ወትሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ ኤርትራ፣ ከባቢ ዓሰብ ወትሃደራዊ ስልጣና ከምዝወሰዱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ብሰሉስ 28 ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ትንታነ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተዋህበ ወትሃደራዊ ስልጠና ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተወደበ ምዃኑ ብዝርዝር ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወትሃደራዊት የመን፣ ጸጥታ ኣገደስቲ ትካላት መንግስቲ ንምሕላው ናብ ከተማ ዓደን ከምዝተዋፈሩ ብዝተፋላለየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ይህብ ምህላዉ ብመንገዲ ሚኒስትር ጉዳዯት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምርግጋጹ ኣይርሳዕን።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣንጻር ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን መጠነ ሰፊሕ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ናብ የመን ቅርበት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም ስትራቴጅያዊ መናሃርያ ክትቐመሉ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተሰማምዐ ይዝከር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0