4ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዓዊቱ

Radio Erena: 26 February 2020

ዙር ርዋንዳ ሎሚ ረቡዕ ዝነውሐን ዝጸንከረን መድረኽ ኣብ ዘሰላሰለሉ: ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዓዊቱ።

ኣብ’ዚ 206.3 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነን ብዓቐባት ዝተዓብለለን ኣዝዩ በዳሂ ውድድር: ናትናኤል ሳልሳይ ርእሱ ኣብ ኣፈፌት መዛዘሚ ሕንጻጽ ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣብ መወዳእታ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ኬንት ማይን ንዝተገብረሉ መጥቃዕቲ ብምብርዓን ‘ዩ ብ 1 ካልኢት ቀዲምዎ ኣትዩ።

ናትናኤል በዚ ናይ ሎሚ ውጽኢት ተሓጊዙ ንብጫ ማልያ ካብ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ኒፖ ዴልኮ ወዲ ሃገሩ ቢንያም ግርማይ ተረኪብዋ።

ብውህሉል ግዚኡ ነዊሕ ጋግ ኣንጺፉ ዘሎ ናትናኤል: ካልኣይ ኮይኑ ንዝስዕቦ ዘሎ ርዋንዳዊ ሞይሰ ሙጊሻ ብ2 ደቓይቕን 11 ካልኢታትን ራሕሪሕዎ ኣሎ።

ናትናኤል ብዘይካ ብጫ ማልያ: ንጻዕዳ ማልያ ብሉጽ መንእሰይን ንማልያ ብሉጽ ኣፍሪቃዊን’ውን ወኒንወን ኣሎ።

ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ጽባሕ ሓሙስ 84.7 ኪሎ ሜትር ክሽፍን እዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0