3 ሕዳር፣ መዓልቲ ሓዘን ግዳያት ላምፐዱሳ ብደረጃ ኣህጉር ተዘኪራ ውዒላ

ሰንበት 3 ሕዳር፣ መዓልቲ ሓዘን ግዳያት ላምፐዱሳ ብደረጃ ኣህጉራ ተዘኪራ ውዒላ። እታ ዕለት ብሕብረት ኣፍሪቅ መዓልቲ ሓዘን ግዳያት ላምፔዱሳ ክትከውን ከምዝተወሰነ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መራሕቲ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘኪሮማ ክውዕሉ’ውን መዘኻኸሪ ቀሪቡ ኔሩ’ዩ።

 

እንተኾነ እቲ ዜጋታቱ ኣውራ ግዳያት እዚ ባሕሪ ዝኾኑ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነታ ዕለተ ብዘይዝኾነ ዝኽሪ ከምዝሓለፋ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ 3 ሕዳር መዓልቲ ሓዘን ግዳያት ላምፔዱሳ ኮይኑ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተዘኪራ ክትውዕል ድሕሪ ምውሳኑ’ውን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነታ ዕለት ብመሪር ሓዘን ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0