3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ፣ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ

Radio Erena: 04 May 2022

3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ፣ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ ኣብ ዝወዓለቱ፣ ኣብ ኤርትራ ተቐዪዶም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ናጻ ክወጹ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰል ጋዜጠኛታትን ናጽነት ፕረስን ኣብ ዘውጽኦኦ ዘለዋ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ሕጂ’ውን ብናጽነት ፕረስ፣ ንሰሜን ኮርያ ኣኸቲላ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ትርከብ።

ናጻ ፕረስ ሓደ ካብ ዓንድታት ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ንዓሰርተታት ዓመታት ፕረስ ምዕፋን ቀጺሉዎ ምህላዉ ነታ ሃገር ኣብ ጸሊም መዝገብ ከምእሰፍር ገይሩዋ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ እውን፣ ሓደ ካብ ረገጽቲ ናጽነት ፕረስ ተባሂሉ፣ ምስቶም ዕሉላት ውልቀመለኽቲ ዓለም ተሰሪዑ ይርከብ።

ብደረጃ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝሓሸ ናጽነት ፕረስ እትርከብ ሃገር ናሚብያ ምዃና ዝገልጽ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ፍርዳዊ ኣካል’ታ ሃገር፣ ንምዕቃብ ናጽነት ፕረስ ልዑል ተራ ይጻወት ምህላዉ ኣመልኪቱ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ናሚብያ ‘ንጋዜጠኛታት ውሕስቲ ሃገር’ ኢሉ ሰዪሙዋ ይርከብ።

ካብ 2001 ኣትሒዙ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ክስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኤርትራ፣ መርኣያ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘርእዮ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ሕሱም ኣተሓሕዛ ዜጋታቱ ዘንጸባርቕ ምዃኑ፣ ተጣበቕቲ መሰላት በብወገኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ብደረጃ ዓለም ኖርወይ፣ ደንማርክ፣ ሽወደን፣ ኤስቶንያን ፊንላንድን ብናጽነት ፕረስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክርከባ እንከለዋ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኤርትራ፣ ኢራን፣ ቱርኪመንስታንን ሚያንማርን ከኣ ናጽነት ፕረስ ዘይፈቕዳ ሃገራት ተባሂለን ኣብ መወዳእታ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0