3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ይዝከር

Radio Erena: 03 May 2019

ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

ኣብዛ ዕለት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት ጸላእቲ ፕረስ ምዃኑ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት የመልክት።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ቀዳሞት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂሎም ብሕማቕ ኣብነት ካብ ዝተጠቕሱ መራሕቲ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግኑን ስም ሒዙ ቀሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስተሪ ዜናን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ካልእ ማዕከን ዜና ብዘይምህላዉን፣ ንሓያሎ ዓመታት ንዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ከኣ ናብ ፍርዲ ብዘይምቕራቦምን፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ምስ ዝስራዓ ሃገራት ትርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዩኔስኮ ኣብ ዝተወደበ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ዩኔስኮ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕማድ፣ ናይ ሰላም ሽልማት ኣበርኪትሉ።

እዚ Félix Houphouët-Boigny ዝተባህለ ናይ ዩኔስኮ ሽልማት፣ ምእንቲ ሰላም ኣበርክቶ ንዝገበሩ መራሕቲ፣ ውልቀሰባትን ማሕበራትን ዝወሃብ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0