3 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 8 ኤርትራውያን ኣትሌታት፣ ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ

Radio Erena: 08 June 2021

ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ መበል 32 ውድድር ኦሊምፒክ፡ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣትለቲክስ፡ ዛጊት 8 ኤርትራውያን ኣትሌታት ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ።

3 ካብኣቶም ደቂ’ንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ ኣትለት ወይኒ ቐላቲ፡ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 5 ሽሕ ሜትር፡ ከምኡ’ውን 10 ሽሕ ሜትር፡ ኣትሌታት ናዝሬት ወልዱን ኮኾብ ተስፋጋብርን ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደራ’የን።

ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ፣ ኣሮን ክፍለ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ10 ሽሕ ሜትር፡ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሴ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መሰናኽል3ሽሕ ሜትር፡ ኣትሌታት ዑቕበ ክብሮም፡ ዮውሃንስ ገብረገርግሽን ዑቕባይ ጸጋይን ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ክርከቡ’ዮም።

ኣብ ውድድር ማራቶን ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ 3 ኤርትራውያን ኣትሌታት፡ ካልኦት ኣትሌታት’ውን ኣብ’ቲ ውድድር ዘሳትፎም መምዘኒ ነጥቢ ረኺቦም’ኳ እንተነበሩ፡ ንኤርትራ ዝተፈቕደ ኮታ 3 ጥራይ ብምዃኑ ግን፡ ካብዚ ኦሎምፒክ ክቦኽሩ’ዮም።

ብሓፈሻ ነቲ ናይ ኦሎምፒክ መምዘኒ ነጥቢ ወይ ሚኒሞ ዝረኽቡ ግና ብሰንኪ ደረት ኮታ ናብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዘይጉዓዙ ኤርትራውያን 10 ኮይኖም፣ ከም ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ግርማይ ገብረስላሴን ሳሙኤል ጸጋይን ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣትለታት ይርከብዎም።

ኤርትራ፡ ብዘይካ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኣብ ብሽክለታ’ውን ብኣሕዋት መኽሰብ ደበሳይን ሞሳና ደበሳይን ተወኪላ ክትቐርብ’ያ።

ብዘይካ’ዞም ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ኤርትርራውያን፣ ነተን ኣዕቝቦንዞም ንዘለዋ ሃገራት ብምውካል’ውን ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከቦም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብዚ ኣፍቐርቲ ኦሎምፒክ ብሃንቐውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ ውድድራት ክንዕዘቦም ኢና።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ፣ ሓንቲ ጓለነስተዮቲ እትርከቦም ካልኦት ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ምስ ኣህጉራዊት ጋንታ ስደተኛታት ተጠርኒፎም፣ ንስደተኛታት ዓለም ብምውካል ኣብ ጨመተ ቶኽሲን ጉያ እግሪን፣ ክሳተፉ’ዮም።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0