2°C ኣብ ዝዓቐኑ መዝሓሊ ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ 23 ኤርትራውያን ድሒኖም

Radio Erena: 27 January 2020

2°C ኣብ ዝዓቐኑ መዝሓሊ (ፍሪጅ) ኣብ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ኣስታት 20 ኤርትራውያን ከምዝደሓኑ ፖሊስ ቤልጁም ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ካብኣቶም ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ ሒደት ዜጋታት ሱዳን’ውን ከምዝርከብዎም’ዩ ተጠቒሱ።

እቶም ኣብ ከቢድ ቀዝሒ ተሓቢኦም፣ ናብ ብሪጣንያን ንምስጋር ብሓሙስ 23 ጥሪ፣ ኣብ ወደብ ዘብሩግ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ብኡ ንብኡ ህጹጽ ቀዳማይ ረድኤት’ዩ ተኻይድሎም።

ወልሓደ ካብኣቶም ኣብ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘየለ ንኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ዌስት ፍራንስ ሓቢራ።

ንሳቶም፣ ቅድሚ ምትሓዞም ኣብ ዝነበረ ለይቲ፣ ካብ ከተማ ሊየዥ ንምብራቕ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ፣ ከባቢ ዋረም፣ ዋሎንያ ኣብ ዝተባህለ፣ መካይን ዝጽዕናሉን ዝራገፋሉን ቦታ፣ ደው ኢላ ናብ ዝነበረት መግቢ እትመላለስ መዝሓሊ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተሰቕሉ፣ ናብ ብሪጣንያን እትሰግር ስለዝመሰሎም’ዮም።

እንተኾነ እታ መኪና ናብ ብሪጣንያ ዘይኮ፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይተጓዓዘት ጽዕንታ ከተራግፍ ደው ስለዝበለት ብህይወት ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ እቲ ምንጪ ብተወስኺ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ቬትናም ምዃኖም ዝተገልጹ 39 ሰባት ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ኣይርሳዕን።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0