27 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፣ ካብ ማልታ ፍቓድ ስለዘይተዋህባ፣ ኣብ ባሕሪ ካብ እትዕሸግ ሰለስተ ሳምንታት ኣቑጺራ

Radio Erena: 30 August 2020

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 27 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፣ ካብ ሰበስልጣን ማልታ ፍቓድ ስለዘይተዋህባ፣ ኣብ ባሕሪ ካብ እትዕሸግ ሰለስተ ሳምንታት ኣቑጺራ ከምዘላ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ማሕበራት ኣመልኪቶም።

እቶም 27 ስደተኛታት ኣብ ንእሽተይ ጃልባ እንከለዉ ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምውዳቖም፣ በቲ መስመር እትጎዓዝ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ እያ ኣድሒናቶም። እንተኾነ ብሰንኪ’ቶም ስደተኛታት፣ እታ መርከብ ናብ ወደባት ማልታ ከይትጽጋዕ ተኸልኪላ።

ካብፕቴን ናይታ መርከብ፣ ነቶም ስደተኛታት ናይ መግብን ማይን ረዲኤት ይግበረሎም ከምዘሎ’ኳ እንተገልጸ፣ እታ መርከብ እንስሳታት ከተጎዓዕዝ ዝተሃንጸት ምስ ምዃና፣ ደቂሰብ ንክንድ’ዚ ግዜ ዝኣክል ኣብ ውሽጣ ክዕሸጉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብ28 ነሓሰ፣ ሓሙሽተ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ፣ እቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፉ ስለዘሎ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽቡ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ልኢኾም እዮም።

ኣብ መንጎ’ቶም ስደተኛታት ሓንቲ ጥንስቲ ኣደን፣ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ህጻንን ይርከቦም።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ሰበስልጣን ማልታን ኢጣልያን፣ ዝኾነት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፣ ናብ ወደባተን ከይትጽጋዕ ዝኽልክል ሕጊ ኣውጺኤን እየን።

ሓካይም ብዘይዶብ ብወገኑ፣ ካብ’ዞም በብእዋኑ ካብ ሓደጋ ዝድሕኑ እሞ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ተሓሪሙዎም ኣብ መራኽብ ንመዓልታት ዝዕሸጉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ሓያሎ ግዳያት መግረፍትን ስቓይን ስለዝኾኑ፣ ኣካላዊ ጥራይ ዘይኮነ ክጽገን ዝግበኦ ስነኣእምሮኣዊ ቁስሊ እውን ከምዘለዎም ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0