ጂቡቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበ ብርን ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Tuesday, 18 June 2024

ንኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት እትህባ ዘላ ጂቡቲ፣ ኣብታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘልዋ እትግለጽ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበ ባጤራ ብርን ከምዘሻቐላ ተሓቢሩ።

ጂቡቲ፣ ንታሪፍ እቲ ንኢትዮጵያ እትህቦ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ንዶላር ዝትመን እኳ እንተኾነ፣ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፣ ነጋዶንን ካልእ ምስ ንግዲ ዝተተሓሓዝ ምንቅስቓሳትን ግና ብብርን ፍራንክን ምዃኑዩ ዝግለጽ።

ኣብ ጂቡቲ ብብዝሒ ዝንቐሳቐስ ዘሎ ብር ናይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ፍራንክ ናይ ጂቡቲ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎውን ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዝቕባበ ባጤራ፣ ኣብ ቁጠባን ዕዳጋን ናይታ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ጁቡቲ ጸቕጢ ከይፈጥር ዝሰግኣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ታሪፍ ኣገልግሎት ወደብን ምስ ኡ ተኣሳሲሩ ዝካየድ ኣብ ምንቅስቓስ መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ነጋዶን ካልእን ሓደሽት ሕጋጋት ከተኣታቱ ከምዝኽእል ይግመት።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣኢ ጂቡቲ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ካብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ብዓርቢ 14 ሰነ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣብጺሑ።

እቲ ደብዳቤ፣ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድና ዘተኮረ መልእኽቲ ዝሓቖፈዩ ዝብል ኣርእስቲ እኳ እንተተዋህቦ፣ ብኣውርኡ ግና ኣብ ጉዳይ ኣገልግሎታት ወደብን ባጤራን ከምኡ ድማ ጸጥታ ዶባትን ዘተኮረ ምዃኑ ዝተፍላለዩ ወገናት የመልክቱ።

ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት እናነሃረ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝቕባበ ብር ናይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 33% በጺሑ ኔሩዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 23% ዝቕባበ ተገማጊሙ ዘሎ ባጤራ ኢትዮጵያ፣ ክሳብ ምዝዛም እዚ ዓመት ዝኾነ ምምሕያሽ ከርኢ ተስፍ ከምዘይብሉ ተንተንቲ ቁጠባ ይእምቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0