25 ወትሃደራት ዝጸዓነት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወዲቃ

25 ወትሃደራት ዝጸዓነት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወዲቃ

Radio Erena: 03 September, 2014

US Heli crash

25 ወትሃደራት ጽዒና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትበርር ዝነበረ ወትሃደራዊ ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ወዲቃ።

እታ 17 ሰራዊት ባሕርያን ሸሞንተ ባሕረኛታትን ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ዝወደቐት ሄሊክፕተር፣ እትበረሉ ዝነበረት ተልእኾ ኣይተነጸረን።

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብዝሃቦ መግለጺ ግና፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኣብ ልምምድ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ፣ ኣብ ክሊ ማያት ወሽመጥ ዓደን መልህቓ ኣውሪዳ ናብ ዘላ ዓባይ ናይ ኵናት መርከብ ኣብ ዝምለስሉ ዝነበረ እዋን እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ’ዩ ዝጠቕስ።

 

በቲ ሓደጋ ዝሞተ ኣባል ሰራዊት ኣመሪካ ከምዘየለ’ውን እቲ ሓይሊ ባይሊ ባሕሪ የመልክት።

ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ ምስዝኾነ መጥቃዕቲ ከምዘይትሓሓዝ ኣመሪካ ትሕብር።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0