23 ሃገራት ዝሳተፍኦ፣ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ፣ ንኣፍሪቃ እትውክል እንኮ ሃገር ኤርትራ ክትከውን’ያ

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

Radio Erena: 02 August 2022
ካብ 18 ክሳብ 28 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ፣ ቅድድም ብሽክለታ Tour de l’Avenir፣ ኤርትራ እትርከበን 23 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ ምዃነን ተረጋጊጹ።

15 ካብተን ሃገራውያን ጋንታታት ካብ ኤውሮጳ፣ 3 ካብ ሃገራት ካሪብያንን ሰሜን ኣሜሪካን፡ 2 ካብ ላቲን ኣሜሪካ፡ ሓንቲ ካብ ኤስያ፡ ሓንቲ ካብ ኣውስትራልያ፡ ሓንቲ ድማ ካብ ኣፍሪቃ’የን።

እታ ንኣፍሪቃ ዝወከለት እንኮ ሃገር፣ ኤርትራ’ያ።

ነዛ ናብ ፈረንሳ እተቕንዕ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ምእላይን ምስልጣንን ዝርከብ፣ ገዲም ተቐዳዳማይ ነበር ሙሴ ኣስሄል፣ ድሮ ሸሞንተ ተጻወቲ ናይ ምርቛሕ መስርሕ ከምዝተወድአ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ኣብ Tour de l’Avenir ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ ሽዱሽተ ጥራይ’ዮም።

ኣብዚ ንመበል 58 ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም፣ ንምስታፍ ተረቑሖም ካብ ዘለዉ ተቐዳደምቲ፣ ደቂ 21 ዓመት መሓሪ ተወልደ፣ ንያት ርእሶም፡ ሴላ ወልደሚካኤል፣ ደቂ 20 ዓመት ሳምሶም ሃብተ፡ ኣማኑኤል መሓሪን ጴጥሮስ መንግስን፣ ወዲ 19 ዓመት ሳሙኤል ምስግና ከምኡ ድማ ወዲ 18 ዓመት ሚልክያስ ቅዱስ’ዮም።

እዚ ዙር ብሓፈሻ 1,137 ኪሎ ሜትር ክዓምም’ዩ።

Tour de l’Avenir ኣብቲ ብዕብየቱ ኣብ ዓለምና ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዙር ፈረንሳ ክሳተፉ ዕድል ንዘይረኸቡ ምኩራት ኣማተራትን ትሕቲ 23 ዓመት ንዝዕድሚኦም ፕሮፌሽናል ተቐዳደምትን ዝሳተፍዎ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0