እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝጸንዐ ማዕቀብ ክለዓል ጸዊዑ

Radio Erena: 05 June 2022

እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ሰኔጋልን፤ ማኪ ሳል ፤ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ራሻ ኣጽኒዔናኦ ዘለዋ ማዕቀብ ከልዕላ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ማኪ ሳል ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ካብ ዩክረይንን ራሻን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኣቱ ዝነበረ እኽሊ ብሰንኪ ምጉዳሉ፤ ምስ ስሑው ኩነታት ኣየር ተደሚሩ፤ ኣብታ ኣህጉር ከቢድ ናይ ደርቂ ሓደጋ ኣኸቲሉ ኣሎ ክብል ገሊጹ።

ኣብቲ ርክብ፤ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ እንተተላዒሉ፤ ካብ ኦዴሳ ወደብ ናይ ዩክረይን እውን ከይተረፈ ናብ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ ከም ስርናይ ዝኣመሰለ እኽሊ ንቡር መስርሑ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝገለጸሉ ፕረዚደንት ማኪ ገሊጹ።

ወራር ራሻ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅምር ንሃገራት ኣፍሪቃ ብከቢድ ጸልዩ ዘሎ ዋሕዲ፤ ናይ እኽሊ፤ ዘይቲ ብልዒ፤ ነዳዲን ድኹዒን ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብፍላይ ከም ሶማል፤ግብጺ፤ ሱዳን፤ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ፤ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብ ዘህልኽኦ እኽሊ፤ ካብ ዩክረይንን ራሻን ዝሽምቶኦ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ራሻ ማዕቀብ ክገብር ኣብ ዝዘተየሉ እዋን፤ ኤርትራ ክትቃወም እንከላ፤ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ቦኺረን፤ እተን ዝተረፋ ከኣ ድምጸን ምዕቃበን ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0