2020፣ ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ምርጫታት ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 14 January 2020

ኣብዛ ጀሚርናያ ዘሎና ዓመት፣ ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መራሕትን ኣባላት ባይቶን ምርጫታት ክካየድ’ዩ።

ተሰሪዑ ብዘሎ መደባት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳ፣ ግብጺ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ቡሩንዲ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ኮት ዲ’ቭዋኽ፣ ጋና፣ ጊኒ፣ ኒጀር፣ ሲሸልስ፣ ታንዛንያ፣ ቶጎ፣ ቻድ፣ ማሊ፣ ካሜሮን፣ ኮሞሮስ፣ ላይበርያን ጋቦንን ኣባላት ባይቶኣውን ፕረዚደንታውን ምርጫታት ከካይዳ’የን።

ኣማኢት ሚልዮናት ዜጋታት እዘን ሃገራት ዝውክልዎም ኣባላት ባይቶን መራሕትን ናይ ምምራጽ ዕድል ክህልዎም’ዩ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናጻ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ምርጫታት ንምትግባር ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል እኳ እንተሎ፣ ካብ ዓመት ዓመት ምምሕያሻት የርኡ ከምዘሎ’ዩ ጸብጻባት ዘረድአ።

ኣብ ገሊኤን ሃገራት ድማ ምርጫታት ናብ ጎንጽን ምፍሳስ ደምን ከምርሕ ይርእ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንይምሰል’ውን ይኹን ምርጫ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን መራሒ ሃገርን ፈጺሙ ዘይትግበረላ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።

ኣብ ኤርትራ፣ ምርጫ ስ ይትረፍ ሃገራዊ ባይቶ ዝብሃል’ውን የለን።

ኣብዚ ዓመት እዚ፣ ሓደ ካብቲ ማዕከናት ዜና ዓለምና ቆላሕታ ኣንቢረናሉ ዘለዋ ምርጫታት ናይዚ ዓመት፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ግንቦት ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ኢትዮጵያ’ዩ።

ኣብ ከቢድ ናይ ብሄር ምትፍናን እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ እዋና ናጻን ደሞክራስያውን ምርጫ ከተካይድ’ያ ትኽእል’ያ ካብ ዝብል ትጽቢት ንላዕሊ፣ ክጎሃሃር ዝኽእል ናዕብን ግጭትን ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ውድቀት ከየምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0