2015፣ ዓመተ ለውጢ፣ ፍትሒን ራህዋን ክትከውን ኤርትራውያን ምንዮቶም ይገልጹ

2015፣ ዓመተ ለውጢ፣ ፍትሒን ራህዋን ክትከውን ኤርትራውያን ምንዮቶም ይገልጹ

Radio Erena: 01 January 2015

2015

እዛ ሓዳስ ዓመት፣ ዓመተ ለውጢ፣ ፍትሒ፣ ራህዋን ሰላምን ክትኮነልና ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ውድባት፣ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ ተመንዮም።

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብመንገዲ ኢመይል፣ ቴሌፎንን ፋክስን ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽታት ዝሰደዱ ኤርትራውያን፣ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ስደትን መከራታቱን ዝተራእየ ሕሰም ከቢድ ስምብራት ዝገድፍ ምዃኑ ብምክትሕስሳብ፣ እዛ ሎሚ ጀሚራ ዘላ ሓድሽ ዓመት ለውጥን ዕርፈትን ክትከውን ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም።

 

ብሰንኪ ስደት ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ሲናይን ሰሃራን ኣብ ባሕርን ሃገራትን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ ሞትን ካልእ ብድሆታትን፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ስቓይ ኮይዎ ከምዘሎ’ውን ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ዘቤታውን ግዳማውን ብድሆታት ንናይ ሓባር ረብሓ፣ ብሓባር ክሰርሕ ብምዝኽኻር ከኣ፣ እዛ ሓዳሽ ዓመት ነዚ ንምትግባር ናይ ተስፋ ዓመት ክትኮነሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣባላት ሬድዮ ኤረና’ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ንብምሉኦም ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረናን፣ 2015 ዓመተ ሰላምን ራህዋን ክትኮነሎም ምንዮቶም ገሊጾም።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0