20 ኤርትራውያን ኣብ ሕ.ኢ.ዓ. ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ማህደረ ትምህርቲ ተዋሂቦም

moe20 ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ማህደረ ትምህርቲ ከምዝተዋህቡ ካብ ኣቡ ዳቢ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም 20 ኤርትራውያን ተመሃሮ ዝሓለፈ ሰምበት ናብ ዛይድ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ኣመሓደርቲ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ገይሮምሎም።

 

ብዋሕዲ መማህራንን መሳርሒታትን ዝተጠቕዐ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ዩኒቨርሲቲ ተዓጽዩ ናብ ኮሌጃት ፋሕ ካብ ዝበለሉ እዋን ኣትሒዙ ደረጃኡን ብቕዓት ኣሰራርሕኡን እንዳንቆልቆለ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

እንተኾነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ብዕለት 17 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2015-16 ካብ ዝተመዝገቡ 150 ሽሕ ተመሃሮ፣ 87 ሚእታዊት ናብ ዝቕጽል ደረጃ ብምሕላፎም፣ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝነኣድ ምዕባለ ኣርእዩ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።

እዚ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሶርቦን ዝእለ ናይ ኣቡ ዳቢ ዛይድ ዩኒቨርሲቲ፣ ብዘይካ’ቶም 20 ኤርትራውያን፣ ን250 ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ተመሃሮ’ውን ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ብምሃብ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣካዳምያዊ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ የፍልጥ።

እቶም ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ተክኖሎጂ ዘጽንዑ ምዃኖም፣ ፕሮፈሰር ሪያድ ኣልመሓይደብ ይገልጽ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መማህራን ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ሞያ፣ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ስለዘምርሑ፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ርኡይ ናይ ሰብ ዓቕሚ ጸገም ከጋጥሞ ምጽንሑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0