20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

Radio Erena: 21 June 2018

wrday20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ትማሊ ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ።

እዛ ዕለት ትዝከር ዘላ፣ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 629 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፣ ናብ ኢጣልያ ከይትጽጋዕ ተኸልኪላ ድሕሪ ምቕናያ፣ ናብ ስጳኛ ወደብ ቫሌንሽያ ኣብ ዝኣተወትሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም 68 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ዘመልክተ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቶም ኣስታት 10 ሚልዮን ካብዚኣቶም ዶብ ሰጊሮም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ’ዮም።

 

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0